2012-09-15 14:55:22

ናይ በይሩት ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ፦ ማእከላይ ምብራቕ ሰላምን ነጻነትን የድልዮ


ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኩነት ጽንኵር ምዃኑን ኰይኑ ግን ቤተ ክርስትያን ተስፋ ከምዘይትቖርጽን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ሊባኖስ ዝፍጽምዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ድማ እታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ንሓደጋ ተስፋ ምቑራጽ ከይትቃላዕ ዘተባብዕን ዝድግፍን RealAudioMP3 ተስፋ ዘጽንዕ ምዃኑ ኣብ በይሩት ናይ ላቲን ስርዓት ንእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ዳህዳህ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ “ብርግጽ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ንዅሉ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ጸገም ዝፈትሕ ናይ ሽሕር ጨንገር ማለት ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝጭርሕ ድምጺ ቅዱስ መጥመቅ ዮሓንስ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ ልቢ ዘለዎ የስተውዕል ዝብል ድምጺ እዩ። ናይ ፖለቲካ መራሒ ወይ ድማ ናይ ሓንቲ ኣዝያ ሓያል ሃገር መራሒ ብሓይሊ ናይ ውግእ ኣጽዋር ሰላም ግዲ ዝብል ዘይኰነስ ሰላም ጸጋ እያ እሞ ተቐበላ ዝብል እዩ። እዚ ድምጺ’ዚ ተቐቢልናን ኣእንጊድናን ብጐዳና ዘተን ዕርቅን ምክብባርን ምቅብባል ፍርያማ ምግባር ናትና ሓላፋነይ ምዃኑ ዘነጽር እዩ” ኢሎም።
“ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሊባኖስ መልእኽቲ እያ ዝበልዎ ብፁዕ ኣቡነ ዳህዳህ ዘኪሮም ናይ ሊባኖስ ቅዋም ሃገርን መንነትን ማዕርነት ዝተፈላለያ ሃይማኖት ክርስትናን ዘይ ክርስትያን ሃይማኖታትን፣ ሚዛን ሃይማኖታዊ ፍልልይ ዝሕልውን ዘኽብርን እዩ። ስለዚህ መልእኽቲ እያ ክበሃል እንከሎ እቲ ሚዛኑ ዝሓለወ ምኽባር ሃይማኖታዊ ፍልልያት ንዓለም እተቕርብ ሃገር ስለ ዝኾነት እያ” ቢሎም፣ “ብዙሕ ግዜ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ክነብራ ዝከኣል ኣይኰነን ክበሃልን ይስማዕ ሓሶት ኣበሃህላ እዩ። ርግጽ ውጥረትን ዓመጽን ኣሎ፣ ኰይኑ ግን ናይ ሓባር ዘተን ተኸባቢርካን ተቐባቢልካን ብሓባር ምንባር ዝከኣል እዩ።”
“ብዙህነት ናይ ሓንቲ ሃገር ማሕበራዊ ናብራ መዐቀኒ ክኸውን የብሉን። ናይ ሓደ ናጽነት ኣብ ናይ ካልእ ናጽነት ምጅማር ይድምደም፣ ስለዚህ ኣብ መዳይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ብስም ብዙህነት ኩሉ ክህልወካ ማለት ኣይኰነን፣ ኵሉ ዘጠቓልል ናይ ኵሉ ኩውንነት ኽኽበር ኣለዎ። ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓዋርያዊ ምብጻሕን ልግሲ ሓዋርያዊ ምዕዳኖምን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሊባኖስ በጺሖም ዝበልዎ ቃል ዘድምዕን ተስፋን እምነትን ፍቕርን ዘጽንዕ እዩ። ነተን ኣብ ውጥረትን ሕድ ሕዳዊ ግርጭትን ዓመጽን ወዲቐን ንዘለዋ ሃገራት ተስፋ እዩ” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ምዕዳንን ኣስተምህሮን ቃልን፣ ምእንቲ ምኽባር ናጽነት ጻውዒት ዘማእከለ ምዃኑ ዝዘከሩ ኣባ ዳህዳህ ኣስዒቦም፦ “ሚዛኑ ዝሓለወ ናጽነት ምክብባርን ምቅብባልን ኰታ ኩሉ ዝኽበረሉን ተቐባልነት ዝረጋገጸሉን ባይታ ማለት ምዃኑ ገሊጾም፣ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዘቃልሕ እዩ” ኢሎም። “ውሁዳን ናይ ብዙሃን ግዳይ ክኸውን የብሉን፣ ብዙሃን ናይ ውሁዳን መላኺ ክኸውን የብሉን፣ መሠረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቅድሚ ምዝታይን ምኽባርን ነጢርካ ብዛዕባ ናጽነት ክዝረብ ይስማዕ ናጽነት ሓደ ናይቲ መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክፍሊ እምበር ዝተነጸለ ኣይኰነን፣ ቤተ ክርስትያን ነዚ ኣምር ተቕርብ፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ይምስክሩ፣ እዚ ኣምር ሃይማኖትን ዓሌትን ዘይፈሊ ኩላውነት እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.