2012-09-08 18:21:48

ንቤተ ክርስትያን ዝመርሐ ጐይታ ኢዩ


አብቲ ብናይ ስብከተ ወንጌል ማኅበር ተሰናድዩ አብ ትሕቲኡ ንዝርከባ ሰበኸታት ንኸገልግሉ ንዝሾሞም ናይ ዓምን ሎምዘመንን ሓደስቲ ጳጳሳት ዝኸውን ዓውደ መጽናዕቲ አብ ኮለጅ ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ ሮማ ዝሳተፉ ዘለው ጳጳሳት ትማሊ አብ ሐዋርያዊ አደራሽ ካስተልጋንደልፎ ምስ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦም፣
እቶም ካብ 42 ሃገራት ዝመጹ ሓደስቲ ጳጳሳት ብናይ ስብከተ ወንጌል ማኅበር ኃላፊ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ተመሪሖም ኢዮም ከይዶም፣ ቅዱስነቶም ሰላምታ ምስ አቅረቡ “ስብከት ቃል አምላኽ ጸጋ ናይ ዕርቅን ሓድነት ሕዝብን የዕንብብ፣ ነዚ ዘሐድስ ኃይሊ ወንጌል ዝህብ ተግባር እማነት ክህብዎ ንቤተ ክርስትያን ዝመርሐ ከአ ወትሩ ጐይታ ኢዩ” እንክብሉ አብ ስብከተ ወንጌል ንአሕዛብ ዘተኮረ ማዕዳ ለጊሶምሎም፣ አብዚ ግዜና ንመሰል ነጻነት እምነት ክሳብ ምግሃስ ዘብጽሕ ዘሎ ናይ ሃይማኖት አኽራርነት (ፋንዳመንታሊዝም) ዘኸትሎ ዘይተጻዋርነት አሸኒፍካ ንምኽአል ብጸሎትን ብተአማንነት ወንጌልን ንእምነት ብቅንዕና ምስ ባህልታት ከወሃህዱ እውን ሓደራ ቢሎሞም፣
አተሓሒዞም ከአ “አብ ትሕቲ ጕስነትኩም ዝርከባ ማኅበራት አብ አፍሪቃ አብ ኤስያ አብ ደቡብ አመሪካን ኦሽያንያን አብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ዝርከባ እኳ እንተኾና አብ ቀዳማይ ስብከተ ወንጌል ይርከባ፣ ናይዚኤን ዘሐጕስን ዘጕህን ኩነታት ከአ አጸቢቁም ትፈልጥዎ፣ መብዛሕተኤን አብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመሥረታ ኢየን፣ ሕያው እምነትን ውዕውዕ መንፈስን አሎ እንተኾነ ግን ናይ ሓጺር ጊዜ ስለዝኾነ አጸቢቆም አይደልደሉን አለው፣ ስለዚ ሽሕኳ ናይ ዘይርጉእነትን ዘይምስምማዕን ግዝያት እንተኾነ ሓዲስ ቅንአት ስብከተ ወንጌል የድሊ፣ አብ መንጎ ጥንታውያን አብያተ ክርትያናትን ሓደስቲ አብያተ ክርስትያንትን ምውህሃድ ንክርከብ ጸጋ ሱታፌ ቅዱሳን ዝሃበና እግዚአብሔር ይመስገን፣ እዚ ሱታፌ እዚ ናይታ ሰማያዊት ቤተ ክርስትያንን ናይዛ አብ ንግደት እትርከብ ቤተ ክርስትያንን ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም እምነቶም ንከደልድሉ አብ ዝሃብዎ ሓደራ ከአ “አብ ልብኹም አብ ጐይታ ዘሎኩም እምነት ጽኑዕ ይኹን፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ጐይታ ኢያ፣ አብ ጽንኩር ግዝያት ይኹን አብ ህዱእ ግዝያት ዝመርሓ ባዕሉ ጐይታ ኢዩ፣” ቢሎም፣
ቅዱስነቶም ዝጠቀስዎ ካልእ ናይዚ ዘመንና አተሓሳሳቢ ጉዳይ ምንካይ ሚስዮናውያን ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ቍጽሪ ካህናት ናይ ሰበኻ ይኹኑ ናይ ማኅበራት እናዓበየ ይመጽ እ ስለዘሎ ሓዲስ ውዳቤን ምትሕብባርን ናይ ግብረ ተል እኮ (ሚስዮን) ከምዘድሊ እንከዘኻክሩ “ምዕባሌ ሓደስቲ አብያተ ክርትያን ንመጻኢ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ምልክት ተስፋ ኢየን፣” ብማለት ነቶም ሓደስቲ ጳጳሳት ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ስለዝኾነ አብቲ ሥሉስ ሥራሕ ግብረ ተል እኮ ኦም ማለት ምምሃርን ምቅዳስን ምምህዳራን አብያተ ክርስትያናቶም ብምሉእ ኃይሎም ብትግሃት ክውፈዩ ሓደራ እንክብሉ “ንክህነት ዝሰናደው መንእሰያት ናይ ሰበኻ ይኹኑ ናይ ማኅበራት አብ ትዅስኵሱሉ እዋን ወትሩ አብ ልብኹም ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ናብ አሕዛብን ን እምነት ምስ ባህልታት አብ ምውህሃድን ይኹን፣ ቤተ ክርስትያን ካብ ተል እኮ ስብከተ ወንጌል ትውለድ ምስ ስብከተ ወንጌል ከአ ትዓቢ፣ ናይቲ ናይ አሕዛብ ሐዋርያ መሪሕ ቃል ዝኾነ “ፍቅሪ ክርስቶስ ኢዩ ዝግድደና” ዝብል ጻው ዒት ናትኩም ግበርዎ፣ ቅኑ ዕ ዝኾነ ምውህ ሃድ ባህልን እምነትን አብ ዝተፈላለዩ ናይ ሕዝቢ ባህልታት ወንጌል ሥጋ ንክለብስን ጸጽቡቁ እናአወሃሃድኩም ናቶም ንክትገብርዎን ክሕግዘኩም ኢዩ፣ እዚ ጉ ዕዞ እዚ ነዊሕን ሓያልን ስለዝኾነ ፍሉይነትን ምሉእነት መንነት ክርስትያንን አብ ዋጋ ዕዳጋ ከይተውርዱ ሓደራ፣ ተል እኮ ስብከተ ወንጌል ዝሓቶም ጓሶት ምስ ክርስቶስ ተወሃሂዶም ብቅድስና ህይወት ብምስትውዓልን ጥንቃቄን አርሒቅካ ብምሕሳብን ንክርስቶስ ዝመስሉ ንወንጌል ብለጋስነት ክስው ዑ ስንድዋት ዝኾኑ ጓሶት የድልዩ፣ አብ መወዳእታ ዝምሕጸነኩም መጓሰኹም ብፍቅሪ ጓስዩ ብሕልፊ ንካህናትኩም ፍሉይ አተኩሮ ብምሃብ ጽን ቢልኩም ክትሰም ዕዎም አብ ቀጻሊ ናይ ክህነት ኵስኰሳ ክተሳትፍዎም ቅዱስ ቍርባን ሕመረት ህልውናኦም ከምዝገብሩ ክተረድእዎም ሐደራ፣ ል ዕሊ ኩሉ ንጸሎትን አገልግሎት ቃል አምላኽን ዝተጸዋዕኩም ምዃንኩም ዘኪርኩም ናይ እግዚአብሔር ሰባት ክትኮኑ እላቦ፣
“ጠመተኹም ናብቲ ናይ ጓሶት ጓሳ ዝኾነ ክርስቶስ ግበሩ፣ ናይ ዘመንና ዓለም ምስ እግዚአብሔር ዝዛረቡ ሰባት የድልይዎ በዚ ከአ ንሶም እውን ምስ እግዚአብሔር ክዛረቡ ይኽ እሉ፣ ቃል አምላኽ ከአ በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ ኢያ ድሕነት ክተምጽእ እትኽል” እንክብሉ ምስ ተላበው፤ ምስ ኩሉን ንኩሉን ብዘይ ፍልልይ ከገልግሉ ካብ አኽራሪነት ርሒቆም እምነቶም አብ ጐይታን ስብከት ቃሉን ክገብሩ ከአ ከምዚ ክብሉ አዘኻኺሮሞም፣
“እማነትኩም አብ ወንጌል አብቲ ዘሐድስ ኃይሉ አብቲ ንሕልና ከነቃቅሕ ዝኽ እል ክ እለቱ ግበሩ፣ ወንጌል ንደቂ ሰባት ኅልናኦም አነቃቂሑ ከድሕንን ሓዲስ ሕውነት ክፈጥርን ዝኽእል ኢዩ፣ ስብከተ ቃል ወንጌል ናይ ዕርቂ ጸጋን ሓድነት ህዝብን የዕንብብ” ቢሎም፣
አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም አብ ዓመት እምነት ምልስ ቢሎም “አብ ሕይወትና ዝተገብረ ዓቢይ ነገር እንተሎ ውህበት እምነት ኢዩ፣ ንግልና ጥራይ ክን ዕቅቦ አይንኸልን፣ ብዙሓት ናይዚ ዓቢ ጸጋ ምፍላጥ መሰል ከምዘለዎምን ምስ ካል ኦት ክካፈልዎን ይደልዩ፣ ስለዝኾነ ከአ እምነት ምስ ካል ኦት ክትካፈላን ፍረ ክትፈርን ዘለዋ ጸጋ ኢያ፣
“አገልጋሊ እግዚአብሔር ጳውሎስ 6ይ ናይ ስብከተ ወንጌል ቀዳምነት ብምርግጋጽ አብ ኢቫጀሊ ኑንስያንዲ እትብል ሐዋርያዊ ምዕዳኖም ቍ.80 “ንሕና ወንጌል እንተዘይሰቢኽናሎም ምስጋና ንምሕረት እግዚአብሔር ይኹን ደቂ ሰባት ብኻልእ መንገዲ እውን ክድሕኑ ይኽእሉ፣ ኮይኑ ግን ወይ ብሸለልትነት ወይ ብፍርሒ ወይ ብሕፍረት ወይ እውን ብግጉይ አተሓሳስባ ወንጌል እንተዘይሰቢኽና ንሕናስ ንድሕንዶ ይመስለኩም፤ ይብሉ፣ እዚ ሕቶ እዚ ሎሚ እውን ንስብከተ ወንጌል ፍጹም ቅድምያ ሂብና ክንጐዓዝ ከምዘሎና እናጸው ዔ አብ ኅልናና ይኩሕኩሕ አሎ” ድሕሪ ምባል ናይዞም ሓደስቲ አቡናት ማኅበራት ናብታ ነቲ ሥጋ ዝለበሰ ቃል አምላኽ ንዓለም ብምሃብ ቀዳመይቲ ሰባኺት ወንጌል ዝኾነት ኮኸብ ስብከተ ወንጌል እኖና እግዚ እትነ ማርያም ብምምሕጻን ተፋነውዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.