2012-09-07 11:57:39

ዓውደ መጽናዕቲ ንሓደስቲ አቡናት


ናይ ስብከተ ወንጌል ማኅበር ዘሰናደዎ አብ ትሕቲኡ ንዝርከባ ሰበኸታት ንኸገልግሉ ንዝሾሞም ናይ ዓምን ሎምዘመንን ሓደስቲ ጳጳሳት ዝኸውን ዓውደ መጽናዕቲ ትማሊ አብ ኮለጅ ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ ሮማ ተጀሚሩ፣ አብዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ካብ 45 ሃገራት ዝመጹ 92 አቡናት ከምዝሳተፉ፤ ካብዚኦም 25 ካብ አፍሪቃ 8 ካብ ኤስያ 6 ካብ አመሪካ 3 ከአ ካብ ከባቢ ውቅ ያኖስ ዝርከባ ሃገራ ኦሽያንያ ኢዮም፣ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ዝኸፈትዎ ኃላፊ ናይ ስብከተ ወንጌል ማኅበር ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎነ ብኃለቃ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ኡርባንያና ጥቀ ክቡት አባ አልበርቶ ትረቪዝዮል ተሰንዮም እንክኾኑ “ክውንነት ናብ አሕዛብ ዝብል መልእኽቲ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አብ ናይ ሎሚ ዓለምን ቤተክርስትያንን” ዝብል አር እስቲ አስተምሂሮም፣ አብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክፍለ ጊዜ ከአ ናይቲ ማኅበር ዋና ጸሐፊ ሞንሲኞር ሳቭዮ ሆን ፋይ ታይ ጸብጻብ አቅሪቦም፣
እዚ ክሳብ ዕለት 15 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርኂ መስከረም ዝቅጽል ዓውደ መጽናዕቲ ብጸሎትን አስተንትኖን እውን ክስነ ምዃኑ ፊደስ ዝተባህለ ናይ ዜና አገልግሎት አገንዚቡ፣
አብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ትምህርትን ማዕዳን ዝህቡ ዝተፈላለዩ ሊቃውንትን አበውን ከምዝርከቡ፤ ብፁዕ ካርዲናል አንቶንዮ ካኒዛረስ ብዛዕባ ም ዕዳል ምሥጢራት ብፁዕ ካርዲናል ተርክሶን ብዛዕባ ትምህርቲ ኅብረተሰብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ስብከተ ወንጌልን ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ አማቶ ብዛዕባ መንፈሳውነት አቡን ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኡለት ሓላፍነት ምምሕዳር ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፕያቸንሳ አባታዊ ኃልዮት ካህናት አቡናት ብፁዕ ካርዲናል ዘኖን ግሮኮለውስኪ ሕንጸት አብ ተመሃሮ ዘር አ ክህነት ካህናትን ወዘተ፣ ተሳተፍቲ ናይዚ ጉባኤ ዝኾኑ አቡናት ዕለት 7 መስከረም አብ ሐዋርያዊ አደራሽ ካስተል ጋንደልፎ ምስ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ከምዝራኸቡ እውን ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.