2012-09-07 11:00:35

ኢየሱስ ናይ ኩሉ ጊዜ ቤተ ክርስትያኑ አብ አእዳው አንቢሩ ይሕልዋ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንዕረፍቲ አቋሪጾሞ ንዝነበሩ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርቲ ክርስቶስ አብ አደራሽ ጳውሎስ 6ይ አብ ብሓዲሽ ጀሚሮም፣ “ቤተ ክርስትያን እንታይ ከምትኸውን አብ ራሓ ኢዱ ሒዙ ዝመርሓን ዝፈልጣን ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ፤ ንጉዕዞ ቤተ ክርስትያን ንምርዳእ ሓደ ክርስትያን ክገብሮ ዝግባእ ጸሎት ጥራይ ኢዩ” ኢዩ እንክብሉ ነቲ “ቤት ትምህርቲ ጸሎት” ቢሎም ዝሰመይዎ ብዛዕባ ጸሎት አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝጀመርዎ አስተምህሮ እንደገና ንምጅማር ጸሎት አብ መጽሐፈ ራእይ ዮውሐንስ ብሰፊሑ ተንቲኖም፣
ቅዱስነቶም ነቲ ክትርድኦ ከቢድ መጽሓፍ ኢሎም ዝገለጽዎ ራእይ ዮውሐንስ በብሓደ እናገጸሉ ብዛዕባ ጸሎት ብሰፊሑ ምስ ገለጹ “አብዚ ዓለም ንበይንኻ ዘሎኻ ወይ ካብ ኩሉ እተደንግጽ ጉሁይ ክትከውን ትኽእል፣ እንተጸሊኻ ግን ወላ እውን አብቲ ዝጸልመተ ጊዜ ምጽንናዕ ክትረክብ ኢኻ፣ ን እግዚአብሔር ምፍቃር እውን ክትመሃር ኢኻ፣ በዚ ከአ ክርስቶስ ከም ዓርኪ አብ ጐንኻ ከምዘሎ ክስመዓካ ኢዩ፣ ስለዚኸስ እንትርፎ ናብቲ ወትሩ ብኃይሊ ፍቅሩ ሕይወት ዝቅይር ኢየሱስ ምጽላይ ካልእ ክትገብሮ እትኽእል ነገር የብልካን፣” እንክብሉ አድላይነትን ፍረን ናይ ጸሎት ገሊጾም፣
ራእይ ዮውሐንስ ሰፊሕን ከቢድን እኳ እንተኾነ ቅዱስነቶም ጽሙቍ አቢሎም ሰለስተ ደረጃታት ጸሎት ከምዘለዎን አገባብ ናይቲ ጸሎት ድማ አብ ተዋስኦ ናይ አንባቢን ማኅበረ ክርስትያንን ከምዝምስረት እቲ አንባቢ ኢየሱስ ንወንጌላዊ ዮውሐንስ ዝሃቦ መልእክቲ እንከንብብ እታ ማሕበር ከአ መልእኽቲ ኢየሱስ እናክትሰምዕ ብፍቅሩ ተኸሊላ ትጽሊ፣ እዚ ጸሎት እዚ ከአ ንእግዚአብሔር ጽን ቢልካ ምኽአል ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ቅድሚ ዝአገረ ጸሎትና ነቲ ዝዛረበና ዘሎ እግዚብሔር ጽን ቢልካ ምስማዕ ክኸውን አለዎ፣ ብብዙሕ ዘረባ ተጐቢእና ስለእንርከብ ጽን ቢልካ ናይ ምስማዕ ልማድ ይጐድለና ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሕዋሳትና አርኒብና ውሳጣውን አፍአውን ሱቍታ ሓሊና ነቲ እግዚአብሔር ክብለና ዝደሊ ክንሰም ዕ ንኽ እል የሎናን፣ ናይ ራእይ ዮውሐንስ መጀመርያ ኁልቅታት እቲ ወትሩ አብ ልመና ዘተኰረ ጸሎትና ንእግዚአብሔር ስለፍቅሩን ነቲ ኃይልን ተስፋን ድሕነት ዘምጸአልና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለሃበናን ምስጋና ክነቅርብ ከምዘሎና የምህረና” ክብሉ ጸሎትና ናይ ልመና ጥራሕ ዘይኮነ ቅድሚ ዝአገረ ናይ ምስጋናን ክብርን ከኸውን ከምዘለዎ አዘኻኺሮም፣
እታ ናይ መጀመርያ ማኅበረ ክርስትያን ብፍቅሪ ክርስቶስ ተማሪኻ ነቲ አልፋን ኦሜጋን ናይ ታሪኽ መጀመርያን መፈጸምታን ኮይኑ ዝግለጻ አምላኽ አሜን ክትብል አብ ማእከል ሕይወታ ንክህሉ ሕራይ ቢላ ትቅበሎ፣
“ከየባተኽካ ዝግበር ጸሎት ናይቲ አብ ሕይወትናን አብ ታሪኽን ወትሩ ህልው ዝኾነ ጐይታ ህልውና አብ ልብና የነቃቅሖ፣ እዚ ህልውና እዚ ከአ ብሕይወት ዘንብረና ዝመርሓናን ወላውን አብ ገገሊኡ ጽልሙት ተግባራት ደቂ ሰባት ዓቢ ተስፋ ይህበና፣ ብዘይካዚ ክንፈልጦ ዘሎና ጸሎት ወላ እውን አብቲ ፍጹም ብሕትውና ዝግበር ጸሎት በኺኑ ወይ ተነጺሉ ዝተርፍ ጸሎት የልቦን፣ ጸሎት መትኒ ሕይወት ኮይኑ ክርትያናዊ ህልውናና ዝቅልብ ንዝአቶናዮ መብጽዓ እንትግብርን ወትሩ ጽኑዓትን ኮይና ንክነብር ይሕግዘና” ቢሎም፣
አብቲ ካል አይ ደረጃ ናይ ጸሎት ክርስቶስ ነታ ማኅበር ክትር እዮን ክትዛረቦን ምሳኡ ክትዋሳእን ብፍቃድ አጸቢቁ ይቀርባ፣ አብዚ ጊዜ እዚ እቲ አንባቢ ነቲ መንፈስ ንዮውሓንስ ዘር አዮ ት እምርቲ የዘንትወሎም፣ ናይቲ ት እምርቲ ምልክታት ብብርሃንን ሓውን ዝተዓብለለ ነዊሕን ኃያልን ናይ አስተንትኖ ጊዜ ኢዩ፣ እዚ ዘመልክት ፍቅሪ እግዚአብሔር ዘለዓለማውነቱን አብ ል ዕሊ ክፍ አት ዝ ዓተሮ ዓወትን ኢዩ፣ ቅዱስ ዮውሓንስ ምስቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዘደንቅ ርክብ የካይድ፣ ከም ዝሞተ እውን ይኸውን፣
“አብ ቅድሚ እቲ ትሕት ቢሉ ከም ምውት ዝወደቀሉ እግዚአብሔር ምቋም ጽቡቅ አጋጣሚ ኢዩ፣ እግዚአብሔር ዓርኪ ሕይወት ስለዝኾነ ከአ ኢዱ አብ ርእሱ የንብረሉ፣ አዕሩዅ ክርቶስ ስለዝኾና ንአና እውን ከማኡ ኪኸውን ኢዩ፣ አብቲ ግዜ እቲ ተገልጾ ናይቲ ካብ ዝተንሠኤ አምላኽና ክርስቶስ ዘርዕድ አይክኸውንን ኢዩ እንታይ ደአ ምስ ዓርክኻ ዝግበር ርክብ ኢዩ ክኸውን” እንክብሉ እቲ ካልአይ ደረጃ ጸሎት ምስ ክርስቶ አካል ብ አካል ትራኸበሉ ምዃኑ ገሊጾም፣
አብ ሳልሳይ ደረጃ እቲ አንባቢ ነታ ማኅበር ክርስቶስ ባዕሉ ዝዛረበሉ መል እኽቲ የንብበሎም፣ እዚ መልእኽቲ እዚ ናብተን ሸው ዓተ አብያተ ክርስትያን አስያ ዝተሰደ እዩ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ናብ ናይ ኩሉ ጊዜ አብያተ ክርስትያን ዘቅነዔ ኢዩ፣
“ኩለን አብያተ ክርስትያን ንአምላኽ ንምስማዕ ከምቲ ኢየሱስ አጥቢቁ ዝሓቶ ንመንፈስ ቅዱስ ክፉታት ኮይነን ነቲ ሸውዓተ ጊዜ ዝደጋግሞ ትእዛዝ ማለት “አእዛን ዘለዎ ዘበለ ኩሉ መንፈስ ንአብያተ ክርስትያን ዝብሎ ይስማዕ” ብዝበሎ መሠረት አእዛነን ኩር አቢለን አብ ተጠንቀቅ ክህልዋ አለወን፣ እታ ማኅበር ከስ ንንስሐን ንለውጥን ንጽንዓትን አብ ፍቅሪ ንም ዕባይን ጉዕዞአ አብ ምልላይን ዝቅስቅስ ኃይሊ ብምቅባል ነቲ መልእኽቲ ጽን ቢላ ትሰምዖ፣” እንክብሉ ቀንዲ ሕመረት ጸሎትና ንእግዚአብሔር ሰሚዕካ ምኽአል ከምዝኾነ ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.