2012-09-07 10:56:26

አብ ቤተ ክርስትያን ሥልጣን ተጠቂምካ ዝግበር ማንም ዓመጽ ውጉዝ ኢዩ


አብ ኅቡራት ነገሥታት ዓዲ እንግሊዝ አብ ከተማ ትዊከንሃም “ረዲሚንግ ፓወር፡ ኦቭርካሚንግ አብዩዝ ኢን ቸርች አንድ ሶሳይቲ” ናይ ሥልጣን ብልሽውና ካብ ቤተ ክርስትያንን ኅብረተሰብን ብምእላይ ንሥልጣን ምድኃን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብማኅበረሰብ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ዝተሰናደወ ጉባኤ ትማሊ ተዛዚሙ፣
አብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ጉዳይ ሃይማኖት እትኃሊ ማኅበር ንፍትሒ ናይ ዝጣበቅ ክፍሊ ኃላፊ ሞንሲኞር ቻርለስ ሺክሉና ንረድዮ ቫቲካን አብ ዝሃብዎ መግለጺ “አብቲ ጉባኤ ናይ ኤውሮጳ አለው ዝበሃሉ ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ተሳቲፎም፣ ቀንዲ ውራይ ንቤተ ክርስትያን ከመይ ገቢርካ ካብዚ ናይ ዘመንና ሕማም ሥልጣን ተጠቂምካ ናይ ዝግበር ዓገብ ክነንጽሓ ንኽ እል ዝብል እንክኾን እዚ ግን ንምእመናንን ቤተ ክህነትን ዝግደፍ ሓባራዊ ሓላፍነት ናይ ምስካም ጥራይ ዘይኮነ ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ነዙይ ንኩሉ ለኻኺሙ ከጥፍ እ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ዘመና ጸገም ብልሽውና ሥልጣን ወሳኒ ትምህርትን መልስን ንምሃብ ኢዩ ነይሩ፣ አብቲ ጉባኤ ናይ ሊቃውንቲ አስተምህሮ ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ መሪሕ ናይ ቤተ ክርስያንና ናይ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትምህርቲ መሠረታዊ መንቀሊ ናይ ኩሉ ክት ዕን ለበዋን ነሩ፣ ብር እይቶይ እዚ ጉባኤ እዚ ዘግሃዶ ነገር እንተደአ ሃልዩ አብ ማእከል ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ትምህርቲ ኅብረተሰብን ሥነ ልቦናን አንቀጸ ሃይማኖትን ዓቢይ ውህደት ዝተራእየሉ ኢዩ ነይሩ፣ እዚ ምንቅስቃስ እዚ ነቲ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብልክ ዕ ዝ እምትዎ ዘለው ቤተ ክርስትያን ክትነጽሕ ዘለዋ ድላይን ብቅ ዕቲ ምስክር ስብከተ ወንጌል ንምዃን እትጽዕሮ ዘላ ጭቡጥ ምልክት ኢዩ፣
ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዘይ አማትእ መንገዲ አነጺሮሞ ኢዮም፣ ቤተ ክርስትያን አንጻር ናይ ዝኾነ ይኹን ሥልጣን ተጠቂምካ ዝግበር ዓመጽን ብልሽውናን ኢያ እንክብሉ ርእይቶኦም ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.