2012-09-01 15:49:36

ናይ ር ሊጳ በነዲክቶስ ናይ ሐዘን ተለግራም፡


አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ንነዊሕ ግዜ ብሕማም ፓርኪንሶን ክሳቀዩ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ከም ዝዓረፉ ተፈሊጡ አሎ ።
ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ሕማም ፓርኪንሶን ምቅስቃስን ምዝራብን ከሊእዎም ከም ዝነበረን ብዙሕ ከም ዘስቀዮምን አብ መወዳእታ ፈውሲ ካብ ምውሳድ ክቁጠቡ ንሐካይም ከም ዝተወከስዎምን ይፍለጥ ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዕረፍቲ ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ሕለፈት ዝተሰምዖም ጥልቂ ሐዘን ገሊጾም ንናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ንብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ስኮላ ናይ ሐዘን ተለግራም ልኢኾም ።
ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ነቲ ንነውሕ ግዜ ዝሳቅዮም ዝነበረ ሕማም ብዓቢ መንፈሳዊ ተግባር ፍቃድካ ይኹን ብማለት ምስቃዮም ዝጠቀሰ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሐዘን ተለግራም ሐዘን ብጹዕ ካርዲናል አንጀሎ ስኮላን ማሕበረ ሰብ ሰበኻ ሚላኖን ፡ ቤተ ሰብ ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲንን ተሳታፊ ከም ዝኾንንኩ የረጋግፅ ኢሉ ።
ናይ ነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሐዘን ተለግራም አተሐሒዙ ብመንፈስ ሐወይ ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ፡ ንቅዱስ ወንጌልን ንቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትስያንን ዘበርከትዎ ሙያ ብዓቢ ሐጎስን ተመስጦን ይዝከረኒን ይርአየንን ።
በነዲክቶስ መበል 16 ንሊቀ ጳጳስ ሚላኖ ንብጹዕ ካርዲናል አንጀሎ ስኮላ ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም አተሐሒዙ ፡ ብመንፈስ ወዲ ቅዱስ ኢግናዞ ዘ ላዮሎ ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ዓሚቅ ፍልጠት መጽሐፍ ቅዱስ ናይ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ፕርፈሶ ሐላፊ ተቅዋም ጳጳሳዊ ቅዱስ መጽሐፍ ፡ ናይ ሰበኻ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስ አብ ሰማያዊት ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ዘበርከትዎ ሐዋርያዊ ሙያ ኩለንትንኦም ንእግዚአብሔር ዝሀቡ አማን ብአማን እሙንን ጽኑዕን አገልጋሊ እግዚአብሔር ከም ዝነበሩ ይምስክር ይብል ።
ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ አባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ከም ዝነበሩ ይዝከር ።ብእውነት አሰር ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኸተሉ ሐዋርያዊ ተልእክኦም አብ ግብሪ ንዝተረጐሙ ወዲ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስርትያን ብአማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላኽ እግዚአብሔር አብ መንግስተ ሰማያት ክቅበሎም ከም ዝጽልዩ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንብጹዕ ካርዲናል አንጀሎ ስኮላ ሊቀ ጳጳሳት ሰበካ ሚላኖ ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም አገንዚቡ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ትማሊ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ዝተመልሱ ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ቅድሚ ሞራፎም ካብ መዝሙረ ዳዊት ዝተወስደ “ቃልካ ከም መብራህቲ ይመርሐኒ ንመንገደይ ክአ ብርሃን ኢዩ ዝብል “ አብ ልዕሊ መቃብረይ ክህሉ ሀረር ይብል ከም ዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.