2012-09-01 15:37:22

ሰንበት ዘአብርሃም 2004 ዓ.ም. ( 9/2/2012)


መዝሙር፡ ሰንበት ትዓቢ እምኵሉ ዕለት. . . . . ።
ንባባት፡ ዕብ 7፡23~ፍ፥ ያዕ፡ 2፡14~19፥ ግ.ሓ. 7፡1~9፥ ሉቃ 12፡16~27።
ምስባክ፡ ወሓመልማለ ለቅኔ እጓለ እምኅያው፥ ዘይህቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ፥ ወለዕጓለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ። “ሓምላይ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ፥ ሣዕሪ ንእንስሳ የብቍል፥ ንዝጽውዕዎ ጨቓውቲ ኳዃት ከአ መግቢ ይህቦም” መዝ. 147፡8~9።
መዝሙር፤ ሰንበት ካብ ኩሉ ዕለታት ትዓቢ ሰብ ከአ ካብ ኩሉ ፍጥረት ይኸብር፥ ኖኃ አብ ውሽጢ ታቦት እንከሎ አዕበያ፥ አብርሃም አብ ቅድሚ ምስዋዕ አኽበራ፥ ሙሴ ንሰንበት አብ ሰፈር ብጽድቂ ከኽብርዋ አዘዞም። ጎይታ ንደመናታት አብ ብምድሪ ብመዓልቲ ሰንበት ዝናም ከውርዱ አዘዞም፥ ሰንበት ካብ ኩሉ ዕለታት ትዓቢ ሰብ ከአ ከብ ኩሎም ፍጥረት ይኸብር።
እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዘመን ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ዘሎ ዘመነ ክረምቲ ኢልና እንጽውዖ ኮይኑ ስሙ ከም ዝሕብሮ ካብ ቋንቋ ግዕዝ ዝመጸ ካብ ከርመ ዝብል ዝመጸ እዩ። ትርጉሙ ወርኃት ዝናም፥ ነጎድጓድ፥ ዘመነ ባሕር፥ ዘመነ አፍላግ፥ ዘመነ ጠል፥ ዘመን ደመና፥ ዘመነ መብረቅ ማለት እዩ። ነቲ አብ እዋናት ክረምት ዝገጥም ባህርያዊ ነገራት ብምዕዛብ ምስ መንፈሳዊ ሕይወት አተሓሒዙ ክነስተንትኖ ይሕግዘና። አብ ባሕርያዊ ነገራት ምሕረትን ፍቕሪ አምላኽን ርኢኻ ምኽአል። አብ ጽባቔ ተፈጥሮ ብምዕዛብ ነቲ ከአል ኩሉ አምላኽ ዕብየቱን ክእለቱን ተዓዚብካ ክተመስግን ምኽአል ንአና ንደቂ ሰብ አብ አምላኽ ክንቀርብ ይሕግዘና።
ወርኂ ነሓሰ ብፍላይ ፍሉይ መእኽቲ የመሓላልፈልና፥ ዘራእቲ አብ ተስፋ አምሪሑ ብሩህ ፍረ ማሕረስ ዝርአየሉ ዕምባባታት ፍሉይ መልክዕ ንምድረ ሰማይ አልቢሶሞ ክርኤ እንከሎ ፍሉይ ምስጢር ፍጥረት ክንዕዘብ ይሕግዘና። ነዚ ኹሉ ዝገብር አምላኽ ክነመስግኖ እሞ አብኡ አሚና ምስኡ ዘሎና ርክብ ክንሕድሶ ዝሕግዘና እዋን ኢና ዘሎና።
አብዚ እዋን ብፍሉይ ካብ ነሓሰ 10(ማኅበረ በኵር)~ 28 ዘሎ አብርሃም፥ እጓለ ቋአት፥ ደሰያት፥ ዓይነ ኩሉ ዝብል ሰናብቲ ሒዙ ይርከብ ነናቱ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ሰብ ክቡር ፍጥረት እዩ አምላኽ ፍሉይ ፍቕሪ ስለ ዝገበረሉ ካብ ኩሎም ፍጥረታት ክቡር ይብሃል። ነዚ ፍሉይ ተፈጥሮ አምላኽ ንፍሉይ መደብ እዩ ንሰብ ሂብዎ። ተኻፋላይ ጸግኡን መዋርስቱን ገሩ ብሂጉ ፈጢርዎ። ተፈጥሮና ከስ ምስ አምላኽ ክነብር እዩ። ፍቕሪ አምላኽ አብ ኩሉ ተፈጥሮን አብ ኩሉ ሕይወትናን ክንግዘቦ ንኽእል። ክረምቲ ፍሉይ መልክዕን ትእምርትን ይርአዮ። ዘራእቲ እንተ ረኤና ከምኡ ደመናታትን ባህሪ ክራማት ኩሉ ንምስጢር ተፈጥሮን ክብ የብሎ። ነዚ ባሕርያዊ ነገራት ተዓዚብና ናብ አምላኽ ክንምለስ እዩ እቲ መልእኽቲ።
ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ ሓደ ሃብታም ሰብ እትዋቱ ርእዩ አብ ነፍሱ ጥራሕ ዝሓሰበ ይነግረና። አብ ካልኦት ገጹ አይጠመተን ንርእሱ ተሓጊሲ ነፍሰይ ንብዙሓ ዓመታት ዝኸውን ቀሪበልኪ አሎኹ እናበለ አብ ርእሱ ጥራሕ ዘተኮረ ክዛረብ እንከሎ ይነግረና። ንሱ ዝግድሶ ንርእሱ ጥራሕ እዩ። አብቲ ዝአከቦ እኽሊ ይገብር እምነቱ። አብ እኽሉ አብ ሓይሉ አብ ክእለቱ ጥራሕ የተኹር። ካብ ርእሱ ክወጽእ አይ ከአለን። በዚ ርድኢት ተበጉሱ መጻኢ ሕይወቱን ነፍሱን ባዕሉ ከም ዝውንን ገሩ ይሓስብ። እዚ ሰብ እዚ ዓለሙ አብቲ ንሱ ዝሓስቦን ዝውንኖን ጥራሕ ዝተሓዝኤ እዩ። ሰብ ብሃብቱ ብኽእለቱ ብመልክዑ . . . . . ምስተገዝኤ መጀመርያ ዝገብራ ንአምላኽ ካብ ሕይወቱ የውግኖ ባዕሉ ፈጣሪ ባዕሉ ኩሉ ገባሪ ገሩ ይሓስብ ሽዑ እሱር ናይ ገዛእ ርእሱ ኮይኑ ይነብር። ቀጺሉ አብ ናይ ርእሱ ጥቕምን ድለትን ጥራሕ ተወሲኑ ንኸምኡ ሰብ ክጥምት የጸግሞ እሞ ከም ዕዉር ኮይኑ ይነብር ንሓዉን ሓፍቱን ከበርክቶ ዝግብኦ ነገራት ገዲፉ አብ ገዛእ ርእሱ ዳንከራ ሓጎስ እናሃረመ ይነብር። ካብ ከምዚ ሕይወት ክንወጽእ ናይ ሎሚ ሰንበት ዕድመ የቕርበልና። ንአምላኽ ቦትኡ አብ ሕይወተይዶ እህቦ አሎኹ? ንከማይ ሰብ አብ ምሕጋዝ እወፍር ዘሎኹ እናበልና ሕልናና ክንሓትት ንዕደም አሎና።
እዚ ሃብታም ሰብ ድሮ መይቱ እዩ። ድሮ አብቲ ዝአከቦ እኽሊ ተቐቢሩ እዩ። ዓለሙ ምስ ካልኦት ደቂ ሰባት ወይ ካልእ ዕድላት ሓንቲ ርክብ የብሉን። መቓብሩ በቲ ነባሪ ፍቕሪ ዘይህብ ሃብቲ ይሽልሞ፥ እቲ ሃብቱ ዋሕስ ዝህቦ ገሩ ይሓስብ እንተኾነ ጥራሕ ኢዱ እዩ ዝተርፍ። ሞት አብ አፍደገ ገዝኡ ምስ ኳሕኮሔት ኩሉ ነገር ገላቢጦሽ ይኸውን። እዚ ሰብ እዚ ክልተ ሞት እዩ መይቱ። ብሕይወቱ ይመውት ከምኡ በቲ መነበብርኡ ይመውት። ብኻልእ አዘራርባ ብነፍሱን ብሥግኡን መይቱ። ቀብሩ ዝምስክሮ እቲ ካብ ነውሕ እዋን ዝገብሮ ዝነበረ እዩ ዘጽድቐልና ማለት ካብ መጀመርያ ምስ አምላኽ ርክብ አይገበረን አብ ርእሱ ጥራሕ ተሓዚኡ ዝነብር ዝነበረ ሰብ እዩ።
አምላኽ ነዚ ሰብ ዓሻ ይብሎ። እዚ ሰብ ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ተፈጢሩ አምላኽ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክነብር ነጊርዎ እንተኾነ ካልእ መገዲ መሪጹ። አምላኽ ሕይወቱ ሂብዎ እንከሎ ንሱ ሕይወቱ ንአምላኽ ክህብ አይደለየን። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝብሎ ንፍስና ንፈጣሪአ ክትመስል ኩሉ ጊዜ ክትሕደስ አልኣ ይብለና። አምላኽ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ካብ ርእሱ ወጺኡ ናባና ይመጽእ። ርእሱ ምእንታና ሂቡ። እዚ ሃብታም ሰብ አብ ርእሱ ተሓጺሩ ተሪፉ ካብ ርእሱ ክወጽእ አይከአለን፥ ምስ ካልኦት ክማቐል አይደለየን ስለዚ ንበይኑ ተሪፉ።
ኢየሱስ ርእሱ ሂቡና፡
ከምዚ ሃብታም ሰብ ዘይኮነ ኢየሱስ ርእሱ ይህብ። ኩሉ ሕይወቱ ክምሕር ንኻልኦት ርእሱ ከፍልጥ፥ ኩሉ ናቱ ዘበለ ንኻልኦት ክህብ ተረኺቡ። ንርእሱ ዘትረፎ ነገር የብሉን። ኩሉ ዘልኦ ዘበለ ንኻልኦት ኢብዎ ኩሉ ናቱ ናይ ሰማያዊ አብኡ እዩ። ንኹሎም ተኸተልቱ አብቲ ካብ አምላኽ ዝፈልዮም ነገራት ተሓጺሮም ከይተርፉ የጠንቅቖም። አብ ናይ እዚ ዓለም ሕይወት ተሓጺርና ከይንተርፍ ይምሕጸነና። ንአይ ምሰሉ እናበለ ክነብሮ ዝግብአና ሕይወት ሓቢሩና። ሎሚ እምብአር አሰር ኢየሱስ ዶ እስዕብ አሎኹ ኢልና ሕይወትና ክንሓትት አፍደገ ተኸፊቱልና አሎ።
አማናይ ክርስቶስ ንርእሱ ካብዚ ዓለም ናብ ሰማያዊ ዓለም አሰጋጊሩ ዝኽእል ክኸውን እንከሎ ጥራሕ እዩ ናይ ብሓቂ ሕይወት ክርስቶስ እነብር አሎኹ ክብል ዝኽእል። አብ ጉዕዞ ሕይወት ክበድ መስቀል አሎ ዓለምና በቲ ዘልአ ጣዕምን ፍቕርን አድራሻና ክንቅይር እሞ ዝተመቕለ ሕይወት ክነብር ትደፍአና ስለዚ ሎሚ ዝተመቕለ ሕይወት ወይ አብ ሃብቲ አብ ክብሪ አብ ጣዕሚ ጥራሕ ዝተሓጽረ ሕይወት ሒዝና እንተ አሊና ክንምለስ ነቲ ግጉይ ሕይወት መልክዕ ክነልብሶ ይሓተና አሎ።
አምላኽ ብዘይተሓስበት ዕለት ክመጽአና እዩ። ስንድዋት ኮና ክነብር ንሕተት አሎና። ሞት አብ አፍደገ ገዛና ክሳብ እትኵሕኹሕ ክንጽበያ እንተ ኾና ከምዚ ዓሻ ሰብ ክንከውን ኢና ስለዚ ሎሚ ሕይወትና ክንርኢ እሞ አብቲ ንአናን ንአምላኽናን ዘወሃህድ ነገራት ክነተኩር ፍቓደኛታት ንኹን። ከመሎኹ ኢልና ንርእስና ክንሓትት እሞ አብ ልብና አብ መንፈስና ሒዝናዮ ዘሎ ቅጥራን ኃጢአትና ሎሚ አብ ቅድሚ መድኃኒና ኮና ክንሓጽቦ እሞ ከም በርድ ጻዕዲና ክንርከብ ንበገስ። ጉዕዞና ኸአ ንበይንና ጥራሕ ዘይኮነ ንሓውና ሓፍትና አብ ዋዜማ ዓወት ክብገሱ ክንሕግዝ ፍቓደኛታት ንኹን።
አብ ሃብትን ጣዕምን ዓለም ተዋሕሒጥና ከይንህሎ ነፍስና ንሕተት። ሕይወትና ብሥጋዊ ነገራት ተማሪኹ ክነብር እንከሎ ጸልማት ከም ዝጎልበቦ ዝረግጾን ዝኸዶን ዘይፈልጥ ኮና ኢና እንነብር ስለዚ ዓይንና ቋሕ ክነብል እሞ ሒዝናዮ ዘሎና መገዲ ክንርኢ ክነለሊ። መንፈስና ደኺሙ ንሰናይ ጎዕዞ ድሕነት ዘንጊዕናዮ ከይንህሉ እሞ ንጥፍአት ናትና ኢልና ተታሒዝናዮ ከይንህሉ ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት ርእስና ንርኤ ንተሓደስ።
ኹሉ ዘሎና ህያብ አምላኽ እዩ፥ ንአገልግሎት አምላኽን ከማና ንዝበሉ ሰባት ኢዩ ተዋሂቡና። በቲ ተዋሂቡና ዘሎ ዕርቡን ሰማይ ክንሕዝ ብአኡ አቢልና ንመንግስቲ አምላኽ ክንሰብኽ እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ። በዚ ዘሎኒ ህያባ ንሓወይ ሓፍተይ አብ ቤት አምላኽ ክንመልሶም እሞ ነቲ አምላኽ ዝገበረሎም ርእዮም ክኽእሉ ነፍሲ ወከፍና ኢድ እግሪ ዓይኒ ልቢ ክንኮኖም አምላኽ ተለአኸኒ ይብለና አሎ። ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ነዚ ክንሔድስ እሞ ቤትና ቤት አምላኽ ገርና ክንክእል ቆሪጽና እንወፍርሉ ጊዜ ስለ ዝኾነ ልብና ንኽፈት።
ቃኤል ሓውካ አበሎ ተባሂሉ ምስ ተሓተ ሓላው ሓወይዶ ኮይነ ኢሉ መሊሱ በዚ አብ ቅድሚ አምላኽ ክብረት አይረኸበን ኩሉ ዝቐትሎ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ክሃድም ይነብር ነሩ። ሰብ ሕልንኡ ብኃጢአት ምስ ጎልበቦ ፍርሒ ዘይምቕሳን ምጭናቕ ስቓይ እዩ ዕጭኡ። ዓለምና ሎሚ ብዙሓት መንፈስ ቃኤል ዝማረኾም አብ ቅትለትን ክፍአት ሓዎምን ሓፍቶምን ዝወፈሩ መሊኦማ አለዉ። ንሓውናን ሓፍትናን ብኽልተ ነገር ኢና ክንቀትሎም እንኽእል ብመንፈስን ብሥጋን፥ ሥግዊ ቕትለት ኩሉ አብዚ እዋን ዝርኤ ካብ ጽንሲ ምስዳድ ክሳብ ብዝተፈላለየ ነገር ብሥግኦም ምዉታት ከም ዝኾኑ ምግባር ውግእ ከምኡ ብስግኦም ከም ዝሞቱ ምግባር፥ ካልአይ ዝገደደ ቅትለት መንፈሳዊ ቅትለት እዩ ብሕማቕ አብነትን ጽልዋ ብምሕዳርን፥ ሓመታ፥ ንሓቂ ከይፈልጡ ብዝተፈላለይ መንገዲ ምዕጋት፥ ብዘሎካ ክእለት ምትላል እሞ ንሓቂ ምኽዋል፥ ቀተልቲ አሕዋትና ክንከውን ንኽእል ኢና። አምላኽ ንሓውናን ሓፍትናን አብ አፍደገ ሰማይ ክንመርሖም እዩ ዝደልየና ስለዚ መንፈስ ቃኤል ካብ ሒይወትና ቀንጢትና አብቲ ደቂ አምላኽ ዝገብር ነገራት ንመለስ።
ዘንጊዕና ከይንህሉ፥ ደቂስና ከይንህሉ፥ ጠሊምና ከይንህሉ ሕልናና ንመርምር። ንአምላኽ ብናይ ምቾት ነገራት ተታሊልና ጠፊእናዮ ወደይ ጓለይ ጠፎኦምኒ ኢሉ አበሎኹም ይብል ከይህሉ ሎሚ ንበራበር።
አብዚ ንሓዲስ ዓመት ከም አቆጻጽራ ዓድና አብ እንቀራረበሉ ዘሎና ጊዜ ብመንፈስ ተሓዲስና ንሓዲስ ዓመት ክንአትዎ እሞ ንአምላኽ አብ ሕይወትና ቦታ ክንህቦ ንመገዲ ቅድስና ክንለብስ ፍቓደኛታት ንኹን። አምላኽ ጸግኡ አብዚሑ አብ ፍቕሪ የጽንዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.