2012-08-30 16:57:20

ሃገራዊ ሶሙን ሥርዓተ አምልኾ ሃገረ ጣልያን


ብመሠረት ዓመት ዓመት አብ መወዳእታ ወርኂ ነሐሰ አብ ዓዲ ጣልያን ዝግበር ሶሙን ሊጡርጊያ ንሎም ዘመን ንመበል 63 ጊዜኡ አብ ከተማ ማርሳላ “ዓመተ ሥር ዓተ አምልኾ፤ ንግደት አብ ጊዜ ንክርስቶስ እናተኸተልካ ዝግበር ጉ ዕዞ ኵስኰሳ” ብዝብል አርእርስቲ ልዕሊ 400 ክኢላታትን ናይ ኩለን ሰበኻታት ወኪላትን የሳትፍ አሎ፣
ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 “ንጕዕዞ ቤተ ክርስትያን ሃገር ጣልያን ዓቢይ አስተዋጽኦ ዘለዎ ፍጻሜ” ክብሉ ነቶም ነዚ ዘሰናደው መል እኽቲ ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነ አጽሒፎም ከምዝለ አኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ፣ እዚ ክሳብ ጽባሕ ዓርቢ ዕለት 30 ነሐሰ ዝፍጸም ጉባኤ ከተኩረሉ ካብ ዘለዎም ነጥብታት ዓቢ ምስንዳው ዝግበረሉ ዘሎ ዓመት ሓዲስ ስብከተ ወንጌል እውን አብ ናይ ሥርዓተ አምልኾ ዓመተ ሊጡርጊያ ዋጋ ክወሃቦ አዘኻኺሮም፣ ሎሚ ዓለማውነት ወሪርዎ ንዘሎ ጊዜና ብናይ ሥርዓተ አምልኾ መሥርዕ ንጊዜና ከምዝግባእ ሰሪዕና ዕለታት በዓላትን ዝግበኦም ክብርን ከም ግᎄእ ከምንጥቀመሎም እንተተገሩ ዓመት ሊጡርጊያ ናይቲ ወትሩ አብ ማእከል አሕዋቱ ዝርከብ ክርስቶስ መጋበርን ቦታን ኢዩ፣ እዚ ከአ ን እምነትን ንለውጥን ዘነቃቅሕን ዝምህርን ቀዳማይ መድረኽ ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም ነዚ አጋጣሚ እዚ ምስ ዓመት እምነት ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ብዕለት 11 ጥቅምቲ ክጅምር ተመዲቡ ዘሎ ዓመት እምነት መበል 50 ዓመት ምኽፋት ናይ ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን ዘዘኻር እሞ እቲ ዘድሊ ሕዳሴ አብ ቤተ ክርስትያን ክውን ንክኸውን ካብዚ ሶሙን ሊጡርጊያ ብዙሕ ትጽቢት ከምዝንበረሉ አዘኻኺሮም፣ ናይቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ዘሎ ዓዲ ሰበኻ አቡን ብፁዕ አቡነ ዶመኒኮ ሞጋቨሮ ብወገኖም ዓመተ ሊጡርጊያ አተኩሮና ናብቲ ምንጪ ብምዃን እምነት ዝህበናና አብ ፍጽምና ዘብጽሓን ኢየሱስ ብምግባር ከም ነጋድያን እንጐዓዘሉ ጊዜ ክኸውን ሓደራ ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.