2012-08-25 14:50:57

ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ተግባር ጉባኤ ኣብ ሮማኒያ


ካብ ኣርባዕተ ክፍሊ ዓለምን ካብ 35 ሓገራት ዝተዋጽኡ ናይ ካቶሊካዊ ተግባር ልኡካን ዝሳተፍሉ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክ ተግባር መበል ሻድሻይ ጠቕላሊ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣተኵይሩ ዝካየድ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መሠረት RealAudioMP3 ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ጉዳይ ዘማእከለ ኰይኑ ኣብ ሮማኒያ ከተማ ያእሲ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ዝቕጽል ጉባኤኡ ዕለት 22 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ከምዝተጀመረ ቅድም ክብል ከምእተሓበረ ክፍለጥ እንከሎ፣ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክ ተግባር ጠቕላሊ ሓጋዚ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኰ ሲጋሊኒ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ‘ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ህላዌን ተግባርን ቤተ ክርስትያን ዘለዎም ናይ ተሓባባሪ ሓላፍነት’ ተግባር ከይዝንግዑን ቤተ ክርስትያን ናቶም እውን ከምዝዀነትን” ናብቲ ጉባኤ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዙሕ ጊዜ ብምድግጋም ዘስምሩሉ ሓሳብ እውን እዩ። ስለዚህ ኵሉ ከከም ጸዋዕታኡ ኣብ ህላዌን ተግባርን ቤተ ክርስትያን ግደ ኣለዎ። ኣብ ምስፋሕ መንግስቲ እግዚኣብሔር ወጻእተይና ዝበሃል ሰብ የሎን ምእንቲ’ዚ ናይ ተልእዀኡ ሓላፍነት ስነ ህላዌ ሓቅነት ዘለዎ እዩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ መልእኽቲ ድሕነት ኣብ እዋናዊ ዓለም እዋናዊ ዓለም ክርድኦ ብዝኽእል መገድን ቋንቋን ክሰፍሕ ከምዘለዎ የተሓሳስቡ። ካቶሊካዊ ተግባር ማኅበር ዓለማውያን ምእመናን እዩ ስለዚህ ኣባላቱ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣብ ዕዮኦምን ኣገልግሎት ኣብ ዝፍጽምሉን ኣብ ዝተቐበልዎ ሓላፍነት ዘበስርዎን ዝምስክርዎን እዩ። ንቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም ኰይኑ ምግልጋል፣ ኣብ ተልእዀ ቤተ ክርስትያን በቢ ዝተጸዋዕካሉ ሕይወት ብምስታፍ ቤት ክርስትያን ምግልጋል ወሳኒ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.