2012-08-25 14:46:47

ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሱታፌን ሓርነትን፦ “ርክብ ኣብ መንጎ ሰብን ኢታእላውን”


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ Comunione e Liberazione- ሱታፌን ሓርነትን” እተሰምየ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ በቢ ዓመቱ ዘዳልዎ ዓወደ መጽናዕቲ ብምቕጻል ናይ ለብዘበን ኣብታ ናይቲ ማሕበረሰብ ሱታፌን ሓርነትን መሥራቲ ነፍሰ ሄር ክቡር ኣባ ልዊጂ ጁሳኒ ሃይማኖታዊ ስምዒትን ትርጉምን” ብዝብል ኣርእስቲ RealAudioMP3 ዝደረስዋ ዓባይ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳዊት መጽሓፍ ኣደጊፉ ጽባሕ ዝዛዘም መበል 33 ዓለም ለኻዊ ዓወደ መጽናዕቲ “ሰብኣዊ ባህርይ ርክብ ምስ ኢታእላው ኣዩ” ብዝብል ጠቕላሊ ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሑ ዕለት 19 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ናይ ሪሚኒ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ላምቢያሲ ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘጀመረ ተሓቢሩ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ፣ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዓወደ መጽናዕቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ቱራን ዘረባ ከምዘስምዑ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብቲ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ መደብ ዓውደ ምስክርነት፣ እቶም ሰለስተ ደቆምን ሓንቲ ጓል ሓዎምን ኣብ 2009 ዓ.ም. ካብ ናይ እስራኤል ሓይሊ ምኽልካ ታንኪ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ዝተቐትልዎም ፍልስጤማዊ ሓኪም ኢዘልዲን ኣብዱላይሽ ሕነ ምፍዳይ ከይመረጹ ምሕረትን ዕርቅን ኣብ ዝብል ቅዱስ ዕላማ ተጸሚዶም፣ “ውላድ ንሰላም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘይመንግስታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ዝመስረቱን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካናዳ ኣብ ቶሮንቶ መንበረ ጥበብ ብምምህርና ዘገልግሉ ዘለዉ ተረኺቦም ነታ “ኣይ ክጸልእን እየ” እትብል ዝደረስዋ መጽሓፎም መሰረት፣ ምሕረት ይቕረ ምባልን ካብ ሕነ ምፍዳይ ብርቱዕን ሰላም ካብ ውግእ ንላዕሉ በዓል ሓይሊ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን፣ ደቆምን ጓል ሓዎምን ስኢኖም ክነሱ ካብ ሕነ ምፍዳይ ይቕረ ክብሉ ዘበርተዖም እምነት ምዃኑን፣ ብምቕጻል ምስ እምነቶም ተተሓሒዙ ብካልኣይ ደረጃ ድማ ተመክሮ ሕይወቶም ከምዝዀነን ገሊጾም፣ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ እስራኤል ብሙያኦም ይዓዩ ከምዝነበሩን፣ ብዝወርዶም ዝነበረ ጸቕጥን ግፍዕን ከይተሰነፉ ንዅሉ ከም ሰብ ግቡእ ሰብኣዊ ሚዛን እናሃቡ ኵሉ ማዕረ ከምዝኾነን ብምግልጋል፣ ብሕክምና ሞያኦም ማዕረነት ሰብ ኣብ መንጐ ፍልስጥኤማውያንን ኣስራኤላውያን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም መታን ክረጋገጽን እዚ ማዕርነት ዝብል ፍትሒ መሰረት ሰላም ከምዝዀነ እምነቶም ኰይኑ እዚ ዓላማ’ዚ ክሰፍሕ ይዓዩ ከምዘለዉ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.