2012-08-23 14:15:35

ዜና ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ፓውል ሻን ኩኦ-ህሲ


ናይ ታይዋን ናይ ኮኦህሲዩግ ጳጳስ ዝነበሩ ዕለት 3 ታሕሳስ 1923 ዓ.ም. ኣብ ቻይና ፑያንግ ከተማ ሆፐን ዝተወልዱ ዕለት 11 መስከረም 1946 ኣብ ፐኪንግ ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣትዮም፣ ዕለት 12 መስከረም 1948 ዓ.ም. ቀዳማይ ማሕላ ፈጺሞም ኣብ ቺዩግህሰይን ተቛም ቅዱስ ዮሴፍ ካብ 1944 ዓ.ም. ክሳብ 1946 ዓ.ም RealAudioMP3 . ቀጺሎም ኣብ ፊሊፕንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ናይ ፍልስፍና መንበረ ጥበብ ካብ 1941 ዓ.ም. ክሳብ 1951 ዓ.ም. ናይ ፍልስፍና ትምህርቶምን፣ ካብ 1952 ክሳብ 1956 ዓ.ም. ኣብ ፊሊፒንስ ከተማ ባጉዮ ኣብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ ተቛም ቤላርሚኖ ናይ ቲዮሎጊያ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ዕለት 3 መጋቢት 1955 ዓ.ም. ኣብ ፊልፒንስ ከተማ ባጉዮ ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም፣ ኣብ 1957 ዓ.ም. ናይ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ ሕንጸት ኣጠናቒቖም ኣብ ፊሊፒንስ ቸቡ ከተማ ናይ ዝርከብ ተቛም ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ክፍሊ መጽናዕቲ ስነ ቻይና ኣመሓዳሪ ኮይኖም ኣገልጊሎምን ካብ 1959 ክሳብ 1961 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበር ጥበብ ብናይ ስነ መንፈሳውነት ቲዮሎጊያ ሊቕነት ኣመስኪሮም ኣብ ቨይትናም ናይ ኢየስሳውያን ማሕበር ቤት ተመኵሮ ሓለቓ ኰይኖም ክሳብ 1963 ዓ.ም. ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 2 ለካቲት 1963 ዓ.ም. ኣብ ቨይትናም ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣርባዕተ ዓበይቲ ማሕላ ፈጺሞም ኣብ ታይዋን ክስብ 1970 ዓ.ም. ናይ ኢየሱሳውያን ቤት ተመክሮ ሓለቓ፣ ካብ 1970 ክሳብ 1976 ዓ.ም. ኣብ ታይፐይ ናይ ኢየሱሳውያን ቤት ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ኣመሓዳሪ፣ ካብ 1972 ክሳብ 1976 ዓ.ም. ኣብ ታይዋን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣባይቲ ትምህርቲ ማኅበር ኣቦ መንበርን 1976 ናይ ታይፐይ ተሓጋጋዚ ሊቀ ጳጳሳት ኰይኖም ተሸይሞም፣ ዕለት 15 ሕዳር 1979 ዓ.ም. ናይ ሃዋላይን ጳጳስ ንኽዀኑ ተሓሪዮም፣ ዕለት 14 ለካቲት 1980 ዓ.ም. ቅብኣተ ጵጵስና ተፈጺሙሎም፣ ኣብ 1981 ዓ.ም. ናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ድርገት ሊቀ መንበርን ናይ መላእ እስያ ፈደራላዊ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ጉባኤ ናይ ማሕበራዊ ርክባት ሓልዮ ድርገት ሊቀ መንበርን ኣብ 1983 ዓ.ም. ዕለት 4 መጋቢት 1991 ዓ.ም. ናይ ካኦህሲዩንግ ጳጳስን ቀጺሎም ናይ እስያ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ፍሉይ ጉባኤ ወሃቢ ቃል ኰይኖም ከምዘገልገሉን፣ ቅድሚኡ ኣብ 1987 ዓ.ም. ናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኰይኖም ከምዘገልገሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ዕለት 21 ለካቲት 1998 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ውሳኔ መሰረት ካርዲናል ተሸይሞም ለገልግሉ ድሕሪ ምጽናዕ ትማሊ ንጎሆ ዕለት 22 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ኣብ መበል 89 ዓ.ም. ዕድሜኦም ከምዝዓረፉ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.