2012-08-23 13:48:21

በዓለ ፍልሠታ ለማርያም - ማርያም ንግሥተ ሰማይ ወምድር


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “እኖና እግዚእትነ ማርያም ከምቲ ነገልገልቱ ዘገልግል ንጉሥ ወዳ ኢየሱስ ንግሥቲ እያ” እንክብሉ ዕብየት ንግሥተ ሰማያት ገሊጾም፣ ከምቲ ክርስቶስ አብ ወንጌሉ ዘመልከቶ ንሱ ከገልግል እምበር ክግልገል አይመጸን፣ ኮይኑ ግን ንጉሥ ኢዩ፣ እኖና እግዚእትነ ማርያም መልአኽ እንከበስራ እነኹ ባርያ እግዚአብሔር በለት፣ በዚ ከአ ንግሥተ ሰማይ ኮነት፣ እንታይ ዓይነት ንግሥነት ኮን ይኸውን ብማለት ሓቲቶም ነዙይ መልሲ ይህቡ፣
“አብ ዕለታዊ አዘራርባና ንጉሥ ወይ ንግሥቲ እንክንብል በዓል ሥልጣን ሃብታም ነስምዕ ኮይኑ ግን ናይ ክርስቶስ ንግሥነት ካብዚ ፍሉይ ኢዩ፣ ንግሥነት ክርስቶስ አብ አገልግሎትን ፍቅርን ናይ ትሕትና ዝተመሥረተ ኢዩ ምናዳ ንጽጉማት ምሕጋዝ ምፍቃሮምን ምግልጋሎምን የጠቃልል፣ ስለዚ ንግሥነት ክርስቶስ ምስ ናይዚ ዓለም እዚ ንግሥነት ዘራኽብ የብሉን፣ ንሱ ነገልገልቱ ዘገልግል ንጉሥ ኢዩ፣ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ንግሥነት እውን ካብዚ ዝፍለ አይኮነን እንክብሉ እቲ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ብ1954 ዝአወጅዎ ንግሥነት እኖና እግዚእትነ ማርያም መሠረታውን ጥንታውን እምነትን ባህልን ቤተ ክርስትያን ምዃኑ” ገሊጾም፣
ዝሓለፈ ሰንበት አብ ዝሃብዎ ናይ መል አከ እግዚአብሔር ጉባኤ አስተምህሮ እውን ብዛ ዕባ በዓለ ፍልሠታ እንክገልጹ “በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ኣብ እምነትን ኣምልዀን ናይ ቀዳማይ ዘመን ቤተ ክርስትያን ዝተሰርተን ብቐጻልነት እናሃብተመን ኣናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ንእኖ እግዚኣብሔር ዝግለጽ ፍቕርን ኣኽብሮትን እዩ። ፍልሰታ ለማርያም ንምርዳእ መታን ክንክእል ነቲ ዓቢይ ናይ ድሕነት ምስጢር ዝኾነ፣ ናይ ክርስቶስ ብስቓይን ሞትን ትንሳኤን ናብ ክብሪ እግዚኣብሔር ምስግጋር ፋሲካ ክንጥምት ከምዘሎናን፣ ማርያም እታ ኣብ ናይ ምድሓን ምስጢር ዓቢይ ግደ ዘለዋ ከምዝኾነት ዘረጋግጽ ብስጋ ወልደ እግዚኣብሔር ከምዝወለደትን፣ ካብ ምፍጣራ ዝደሓነት ብፍሉይነት ኣብ ናይ ወዳ ስቓይን ክብርን ዝሓበረት እያ።” ቢሎም ነሮም ከም ኡውን ፍልሰታ ለማርያም እቲ ናይ ክርስቶስ ምስጢረ ፋሲካ ኣብኣ ብምልኣት ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጽ ምዃኑ እንከመልከቱ፦ “ፍልሰት ንዓና ዝትንክፈና እንታይነት ናይ ነፍሲ ወከፍናን ናይ ሰብኣውን ታሪኽን ዕድሎትና ዀሊዑ ዝሕብረና ጭቡጥ ሓቂ እምነት እዩ” ኢሎም፣
ኣብ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ዝንበብ ካብ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ዝተወስደ ቃለ ወንጌል ማርያም ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኸት እያ ዝብል ቃል፣ እቲ ናይ ማርያም ዓሚዩቕ እምነት ዘረጋግጽ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንከስተምህሩ፦ “ማርያም ምስቶም ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ተግባርን ኣብ ድኻምነትን ዓበይቲ ነገራት ክፍጽም ዝኽእል ኣብ እግዚኣብሔር እምበር ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓይሊ ክተኣማመኑ ምስ ዘይክእሉ ድኻታትን ትሑታትን ተነቢራ። ፍልሰታ ለማርያም ንእግዚኣብሔር ኣዚና ገዛእ ርእስና ሕድሪ ክንህብ ወይ ድማ ከነወፊን ቃሉ ክንሰምዕን ዕለት ዕለት ፍቓዱ ክነናድን ክንፍጽምን እቲ ዝጽበየና ዝተዀልዐ መጻኢ ዘርህው እዩ። ኣብ ምድራዊ ጉዕዞና ብፁዓን ዘብለናን መዓጹ ሰማይ ዘርህወልናን ድማ እዚ እዩ” ቢሎም ነሮም፣
አባ ንጉሠ ፍስሓ አብ ናይ ፍልሠታ አስተንትኖ “ፍልሰታ ዘዘኻኽረናኸስ ሰብ ብነፍሱን ብሥጋኡን አብ ቃልሲ ድሕነት ነፍሱ ክወፍር፥ ሽዑ ብነፍሱን ብሥጋኡን አብ ናይ ዓወት መአዲ ክሳተፍ እዩ፣ ሎሚ ንማርያም አብዚ ምልኪ ርእስና ተዓዊትና ምስአን ምስወዳን ሓድነት ክንፈጥር ንለምና። ሎሚ ምስአ አብ ሓጎሳ ክንካፈል አሎና። ንቅድሚት እናሓሰብናን እናጠመትናን ምስአ አብ መንበር ክብሪ ክንቅመጥ። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ክትመርሓና ክንልምና። ንወዳ ስምዓዮም እናበለት ክተማልደልና ነፍስ ወከፍና ብፍሉይ ንለምና። ከም እሙናት አርድእቲ አብቲ ተሓሪናሉ ዘሎና እሙናት ኮና ክንርከብ። ነቲ አምላኽ ብዝተፈላለየ ዝገልጸልና ድላዩ ተቐቢልና ክንክእል፥ ከም ማርያም ብምሉእ ልብና ንዝብለና ሕራይ ክንብል። ኦ ማርያም አደና አሰርኪ ተኸቲልና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ሓግዝና ንድላይ ወድኺ አብ ልብና አሕዲርና ፍቕሪ ሰላም አብ መንጎና ክነንግስ እሞ ንመንግሰተ ሰማይ ዘእቱ ሕይወት ክንሕዝ ጸሎትክን በረኸትክን አይፈለየና ንበላ።” ክብሉ የዘኻኽሩ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.