2012-08-23 11:48:20

ሰንበት ዘደብረ ታቦር 2004 ዓ.ም. (08/19/2012)


መዝሙር፦ ስምዓ ኮነ ዮሓንስ. . . . . . . . ።
ንባባት፡ ዕብ. 11፡23~30፥ 2ጴጥ. 1፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 7፡44~51፥ ማር 9፡2~10።
ምስባክ፡ 1. ታቦር ወአርሞንኤን በስመ ዝአከ ይትፈስሑ ወይሰብሑ ለስምከ መዝራዕትከ ምስለ ኃይል፥ “ እምባ ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብሉ፥ ንስምካ ኸአ የምስግኑ፥ ቅልጽምካ ምስ ሓይልኻ” መዝ. 89፡12~13።
    “ደብር ርጉዕ ወደብር ጥሉል፥ ለምንት ይትነሥኡ አድባር ርጉዓን ደብር ዘሰምሮ እግዚአብሔር የኃድር ውስቴቱ” “እምባ ርጉእን ጥሉልን፥ ስለምንታይ ኢኹም ብቕንኢ እትትንሥኡ፥ እግዚአብሔር አብኡ ንዘለዓለም ክነብር እዩ” መዝ. 68፡15~16።

መዝሙር፡ “የውሓንስ ወንጌላዊ ምስክር ኮይኑ ከምዚ በለ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብዚ መጽሓፍ ዘይተጻሕፈ ብዙኅ ተአምራታትን ዘደንቕ ነገራን ገበረ። እቲ ዝተጻሕፈ ኸአ ንስኹም አብኡ ክትአምኑ፥ አሚንኩም ከአ ሕይወት ዘለዓለም ክትረኽቡ እዩ፥ ንሱ ካብ ጥንቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ብዘይ ሥጋ ዝወረደ እዩ። ንሱ ብርግጽ አብ ሰማይ ብሥግኡ ዓሪጉ እዩ ከምኡ ዝበለ አምላኽ የለን። አቦ ናይ ወዱ ምስክር ኮነ አብ ርባ ዮርዳኖስን አብ ደብረ ታቦትን ከምዚ እናበለ መስከረ፥ እዚ እዩ እቲ ወዳይ ዘፍቅሮ አብኡ ልበይ ዝሰመረለይ በለ”።
አብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር አብ ጎቦታት ብዙሕ ነገራት ክፍጽም ንረኽቦ። አብ እምባታት እግዚአብሔር ምስ ደቂ ሰባት ይራኸብ፥ አብ እምባ ደብረ ሲና ዓሰርተ ትእዛዛት ሂብዎም አብኡ ንርእሱ ገሊጽሎም፥ ኢየሱስ ብዙሕ ጊዜ አብ እምባ ክጽሊ ይኸይድ ከምዝነበረ ነንብብ፥ አብ ደብረ ታቦር ራእዩ ተቐይሩ፥ አብ እምባ ስብከቱ ዝበዝሐ አስሚዑ። ካብ እምባ ንሰማይ ዓሪጉ፥ አብ ደብረዘይቲ ንሓዋርያት ንስብከት ልእኽዎም፥ አብ እምባ ቀራንዮ ተሰቂሉ ስለዚ እምባ አብ ብሉይን ሓዲስን ዓቢ ነገራት ዝተፈጸመሉ እዩ።
አብ ሕይወትና አብ እምባ እንተ ረኤና አብኡ ጽሩይ ንፋስ አሎ አብኡ ኮንካ ንኹሉ ከባቢ ብማዕዶ ንኹሉ ትርኢ እዚ ኹሉ ንሕይወትና ይሕድሶ። አብ ዓድና ነዚ መሰረት ገሮም ገዳማትን አብያተ ክርስትያናትን አብ ጎቦ አብ ሓፍ ዝበሎ እዮም ዝህነጹ። “ጎቦ ክትኮኑና መጸግዒ ጎልጎል ክትኮኑና መሳፍሒ አባኹም መጺእና “አሎና እናበለ አብ ሕጸ መርዓ ዝሓቱ ክብሉ ንሰምእ እዚ ናይ ጎቦ ዝፍንዓት ይገልጸልና። ብዙሕ ዓዳትና አብ እምባ ይእዩ ተደኲኑ እንርረኽቡ። ስለዚ እምባ ፍሉይ ቦታ እዩ።
ደብረ ታቦር ሓደ ካብቶም ነዋሕቲ ጎቦታት አብ እስራኤል ዝረከብ ጎ.ኢ.ክ. አብኡ ደይቡ ራእዩ ዝተለወጠሉ እዩ። ምስኡ ዝነበሩ ሰለስት ካብ ሓዋርያቱ ጴጥሮስ ዮሓንስ ያዕቆብ ነዚ ብዓይኖም ርእዮም መስኪሮሞ። ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ካልአይቲ ንባብ ከም ዝብሎ ነቲ ዝርአዮ ክምስክር እንከሎ እዚ ንሶም ዝርአይዎ ምትኃት ወይ ካልእ ከምዘይኮነ ክገልጽ እንከሎ ሓቂ ከምዝኾነን ንሱ ባዕሉ ከምዝርአዮን አነጺሩ ይነግር። ጴጥሮስ ካብቲ ዝርአዮ ዝያዳ ዘተኩረሉ አብቲ ዝተሰምዐ ድምጽን ከምኡ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እትንታይነት ክገልጽ እንከሎ ድምጺ ካብ ሰማይ ከምእተሰምዐ (አብ ማቴ 17፡5፥ ማር 9፡7፥ ሉቃ 9፡35) ይገልጽ። ናይ ኢየሱስ እንታይነት ከም ፍቝር ወዲ አምላኽ ምስቲ አብ ማቴ 17፡5 ዘሎ ክስማማዕ ይኽእል። ናይ እዚ አበሃህላ አብቲ አብ መዝ. 2፡7፥ ዘፍጥ 22፡2፥ ከምኡ አብ ኢሳያስ 42፡1 ዘሎ እዩ። እቲ ዝያዳ ነዚ ዝምልከት መዝ. 2 እዩ። እዚ መዝሙር ነገስታት ዘውዲ ክደፍኡ እንከለው አብ ቀዳሞት ዘመናት አብ ኢየሩሳሌም ዝድገም ዝነበረ እዩ። አብዚ አብ መልእኽቲ ጴጥሮስ ከም እነንብቦ ቀዳሞት ክርስርትያን እዚ መዝ. 2 አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም እተፈጸመ ገሮም ከምዝርእይዎ ዝነበሩ ንርዳእ። ከምኡ ወልእኳ እቲ ነቢያዉ ትሕዝትኡ ንጹር አይኹን እምበር ንዳግማይ ምጽአት ዝምልከት እዩ። አብ መጨረሽታ ጴጥሮስ ንመዓልቲ ጎይታ ተጊሆም ክጽበይዋ ይምዕድ።
ጴጥሮስ አብ መልእኽቱ ዝሕብረና አብ ኢየሱስ ክንቀርብ እንከሎና እንሳተፎ ክብርን እነስተማቕሮ ኃይሊ አምላኽን እዩ። አምላኽ ምንጪ ናይ ኩሉ ሕይወትና ገርና ክነብር እሞ ክንሕደስ ይምዕደና።
አብ ወንጌል ማር ንሎሚ ዝተነበ ከም እንርእዮ ጴጥሮስን ዮሓንስ ያዕቆብን አብ ጎቦ ክወስዶም እንከሎ አበይ ከምዝወስዶምን አብኡ እንታይ ክገብሩ ከምዝኸዱ ዘለዉም ሓንቲ አፍልጦ አይነበሮምን። አብኡ ምስ ደየቡ ግን ኢየሱስ መን ምኻኑ ተገሊጽሎም። ማርቆስ አብዚ መንነት ኢየሱስ ይገልጽ እዚ ኸአ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ብዛዕባ መንነት ኢየሱስ ዝገልጹ ዝጸሓፎም ከምዝኾነ ንርኢ (1፡9~11፥ 8፡27፡~30፥ 9፡2~10)። እዚ ማርቆስ ዘዘንትዎ አብ ጎቦ እዩ ተፈጺሙ እንተኾነ አብ ሓዲስ ኪዳን እዚ ጎቦ ስሙ አይጥቀስን እንተኾነ ካብ ራብዓይ ዘመን ጀሚሩ ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያን አብ ደብረ ታቦር ከምዝተፈጸመ ክአምኑ ከም ዝጀመሩ አብ ትውፊት ንረኽቦ።
ወንጌል ማርቆስ ቀስ ኢልና ብአስተንትኖ እንተ አንበብና እምብአር ብዙሕ ንመንፈሳውነትና ጠቓሚ ነገራት ክንረኽበሉ ንኽእል። ናይ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ምርአዮም ምልክት እዩ። ሙሴ እቲ ዝዓበየ ሕጊ ንደቂ እስራኤል ዝሃበ እዩ፥ ኤልያስ ከአ ካብ ኩሎም ነብያት ዝዓበየ እዩ። ኢየሱስ ናይ ሕግን ነብያትን ምልአት ወይ መፈጸምታ እዩ። እዞም ክልተ ንሕግን ነብያትን ዝውክሉ ድምጺ እግዚአብሔር አብ ተሰሚዑ “እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ ንአአኡ ስምዕዎ” ዝብል።አብዚ ካልእ እንርእዮ ብሉይ ኪዳን ብሓዲስ ኪዳን ከም ዝተተክኤ እዩ።
ኢየሱስ ንሕግን ነብያትን ከፍርስ አይኮነን መጺኡ እንታይ ድአ ክፍጽሞም ምልአት ክህቦም። ክርስትና ሓደ አብ ስነ ሓሳብ ጥራሕ ዘተኮረ ብዛዕባ ረቀቕቲ ዘይርአይ ነገራት ጥራሕ አይኮነን ዝዛረብ። ብዛዕባ አካላት “Person” እውን እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ፍጹም አምላኽ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ንሱ “መገድን ሓቅን ሕይወትን እዩ”። ንሕና ንአኡ ክንሰምዕ ንአኡ ክንክተል እዩ ዘሎና። አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ከምዝብለና፡ “አብ ቀዳሞት መዓልታት እግዚአብሔር ብነብያት ገሩ ተዛሪቡና . . . . አብዘን ድሕረዎት መዓልታት ግን ብወዱ ገሩ ተዛሪቡና” ይብለና።
ሓዋርያት ንመምህሮም “ረቢ” ይብልዎ ነሮም ትርጉሙ ኸአ መምህር ማለት እዩ። አብዚ እምባ ነቲ ዝዓበየ ምስጢር መንነቱ ከርድኦም ከርእዮም ኢሉ ወሲድዎም። አብኡ መን ምዃኑ ክርእዩ ክኢሎም። ንሱ እቲ ሓቀኛ መምህር ከምዝኾነ ነብያትን ሙሴን ብዛዕብኡ ክምዝመሃሩ እሞ ንሶም እውን ነዚ አብ ኩሉ ከብጽሑ ክፈልጡ ኢሉ አብዚ እምባ ወሲድዎም። አብ እምባ ከለዉ ደበና አጽሊልዎም እዚ ንኢየሱስን ሓዋርያትን ዘጽለለ ደምና አምሳል ህላዌ እግዚአብሔር እዩ። (ዘፍጥ 13፡21~22፥ 14፡19፥ 19፡9፥ መዝ. 99፡7)።
ምስ ኢየሱስ ምንባር ጽቡቕ እዩ፡
ሓዋርያት አብ ደብረ ታቦር ፍሉይ ነገር አብ ሕይወቶም እዩ ፈጢርሎም። ንመምህሮም ቅድሚ እዚ ግልጸት ከምዚ ኮይኑ ርእዮሞ አይፈልጡን። ጴጥሮስ ብሓጎስ መሊኡ ከምዚ እናበለ ተዛሪቡ “ጎይታና ንአና አብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ፥ ስለዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ እሞ ሓደ ንአኻ ሓደ ንሙሴ ሓደ ንኤልያስ” በሎ። እዚ መወዳእታ አይኮነን እዚ ኩሉ ዝርአይዎ መቀራረቢ ንዝዓበየ ነገር እዩ ነሩ። ንሶም ካብ ጎቦ ወሪዶም አብ ጌተ ሰማኒ አብ ጎቦ ቀራንዮ ክርከቡ አልኦም። አብ ደብረ ታቦር ክወርዱ አይደለዩን፥ አብ ገተሰምኒን ከአ ምስኡ ክኾኑ አይደለዩን። ኢየሱስ ምስተአስረ ኩሎም ሃዲሞም።
ንሕና ከምሓዋርያት አብ ዝተሓጎድስናሉ እዋን አብቲ ዝለዓለ ነገራት ዘጋጠምናን እንተሎ ካብኡ ክንፍለ አይንደልን ኢና። ጥዒሞና እንተሎ ኩሉ ጊዜ ከምኡ ክኾነልና ኢና እንደሊ። እንተ ኾነ አብ ጊዜ ፈተና ክንሃድም ክንክወል ኢና እንደሊ። አምላኽ ጽቡቅ ነገር ጥራሕ ዘይኮነ ብርቱዕ አሻኽ ነገራት ከምዝገጥመና ከምዝሓበረና ንዝንግዕ። “ክስዕበኒ ዝደሊ መዓልታዊ መስቀሉ ጸሩ ይስዓበኒ” ይብለና።
ሓዋርያት አብ ደብረ ታቦት ዝመጽኦም ፈተናታት መሰናደዊ ኮይንዎም። አብ ደብረ ታቦር ዝጉዓዝዎ መገዲ ከምዝፈልጡ ገርዎም። ዕጫ መጻኢ ሕይወቶም ከምዝርእዩ ገርዎም። ሎሚ ንሕና መስዋዕቲ ቅዳሴ እናዕረግና ከሎና ንዝመጽእ ፈተናታት ክንሰናዶ እሞ ጸኒዕና ክንጸንሕ ንሕተት አሎና። ቅዳሴ ምቕያር አይኮነን ጨሪሽካ ባህርኻ መንነትካ ምቕያር እዩ። ማንም ህብስትን ወይንን አብ ዝተንስኤ አብ ግርማ ዘሎ ኢየሱስ አብ ደሙን ሥጋኡን ይቕየር። ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል ከሎና ከም ጴጥሮስ ብሓጎስ መሊእና “ጎይታና አብዚ ምሳኽ ምንባር ጽቡቕ እዩ” ንብል። አብ መጨረሽታ ድያቆን እተዉ ብሰላም ክብለና እንከሎ መስቀልና ጸርና አብ ዕለታዊ ሕይወትና ንዝጓነፈና ዝኾነ ፈተናን መስቀልን ክንጸውር እንብገሰሉ እዩ። አብ እምባ ደይብና “ካብ ፍቕሪ አምላኽ በቲ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝተገልጸልና ክፈልየና ዝኽእል መን እዩ” እናበልና አብ ፍጹም ውህደት ምስ ኢየሱስ ክንርከብ አሎና።
ሰብ ምስ አምላኽ ክራኸብ እንከሎ ጥራሕ እዩ ክልወጥ ክሕደስ ዝክእል። ነንፍስወከፍና አብ ጣዕሚ ፍቕሩ ክንርከብ ኢሉ በበቲ ዘሎና ሕይወት ሒዙና አብ እምባ ሕይወትና ይድይብ እዩ። ሎሚ ምስኡ ኮና ምሳኽ ምንባር ይሕሸኒ ክንብል እሞ ምስጢር ተፈጥሮናን ዝጽበየና ዘሎ ሓጎስ ጎይታ ርኢና ክንክእል ንጽዓር። ንአምላኽ ክንርእዮ ክንሰምዖ አብ መገዱ ክንጉዓዝ ሎሚ ሓግዘና ንበሎ።
ማርያም እታ ንድምጺ አምላኽ ሰሚዓ ዝኸአለት ፍልይቲ ፍጥረት እያ። አብዚ ዓለም እንከላ ነገር አምላኽ ተገሊጽዋ ከምዝበልካዮ ይኹን እናበለት ንመገዲ አምላኽ ክትጉዓዝ ንድላዩ ክትቅበል ድሕር ዘይበለት እምንቲ ፍጥረት እያ። ሎሚ ሰአሊ ለነ እናበልና ክንምህለል ከሎና ፍሉይ ጸጋ ክተውህበና ንለምና። መገዲ ወድኺ ድላይ ወድኺ ጠፊኡና አሎ እሞ ሓብርና ንበላ።
ርሑስ ብዓለ ፍልሰታ ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.