2012-08-21 15:26:20

ናይጀሪያ፣ መጥቃዕቲ ጸረ ማኅበረ ክርስትያን


ናብ ትማሊ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ናይጀሪያ ሰሜናዊ ምስራቕ ከባቢ ኣብ እትርከብ ከተማ ዳማጉኑ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ከምኡ እውን RealAudioMP3 ኣብ ልዕሊ ሓደ መደብር ሓለዋ ጸጥታ ብናይ ውግእ ኣጽዋር ዝተዓጥቁ ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝወረደ ክንገር እንከሎ፣ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ግለ ሰባት ናይቲ እስላማዊ ኣኽረርቲ ቦኮ ሓራም እተሰምየ ጉጅለ ኣባላት ክዀኑ ከምዝኽእሉን ብናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ብዝተፈጸመ ግብረ መልሲ ከምእተደፍኡ ክምልከት እንከሎ፣ በቲ ዝተፈነወን ዝተውሃበን ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘየጋጠመ ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 19 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ዝተጀመረ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ በቢ ዓመቱ “Comunione e Liberazione- ሱታፌን ሓርነትን” እተሰምየ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ዘዳልዎ ዓወደ መጽናዕቲ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ጆስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢግናዚዩስ ካይጋማ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅድም ቀዳድም ኣብዚ ሰብኣዊ ባህርይ ርክብ ምስ ኢታእላው ኣዩ” ብዝብል ጠቕላሊ ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብቲ ናይቲ ማሕበረሰብ ሱታፌን ሓርነትን መሥራቲ ነፍሰ ሄር ክቡር ኣባ ልዊጂ ጁሳኒ “ሃይማኖታዊ ስምዒትን ትርጉምን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓባይ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳዊት መጽሓፍ ተመርኲይዙ ኣብ ዝካይዶ ዘሎ ናይ ለምዘበን 2012 ዓ.ም. ዓወደ መጽናዒት ተሳታፊ ብምዃኖም ኣመስጊኖም፣ ናይጀሪያ ብእግዚኣብሔር ዝተባርኸት ዓዲ እያ፣ ክትገጥሞምን ክትስዕሮምን ዝግብኣ እዋናዊ ብድሆታት ዝበዝሓ ሃገር እያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ብፍላይ እቲ ቦኮ ሃራም ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ቀንዲ ዕላማኡ ሽበራን ኣብ ሕጊ ሻሪዓ ዝቖመ ኣስላማዊ መንግስቲ ንምምስራት ዝሓቀነ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ንዝካይዶ ግብረ ሽበራ ንምጥፋእ እተካይዶ ቃልሲ ከተሕይል ይግብኣ ኢሎም።
እቲ ጉጅለ ሓይሊ ሽበራ ውጥረትን ሁከትን ይዘርእ ኣሎ። ንመላእ ናይጀሪያን ሕዝባን ኣቢያ ክርስትያንን ዘጥቅዕ ሓይሊ እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሽግራት ተተሓሒዞም ዝኸዱ ብምዃኖም፣ እቲ ኣብ ናይጀሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ብሃይማኖታዊ ጎድኑ ጥራሕ ምርኣይ ጌጋ እዩ። ልክዕ እዩ ሃይማኖታዊ ወጥሪ ኣሎ፣ ኰይኑ ግን ናይ መላእ ናይጀሪያ ቅልውላው ምኽንያት ጌርካ ምንባቡ ትኽኽል ኣይኰነን፣ ኣብ መንጐ እስላምን ክርስትያንን ኣይኰነ እቲ ውጥረት ዘሎ፣ ስለምታይ እቲ ገዛእ ርእሱ ቦኮ ሓራም ቢሉ ዝሰየመ ጉጅለ ኣሸበርቲ ጸረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ዘስፍሕ እውን እንተዀነ፣ ጸረ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ እውን እዩ ኢሎም።
ክርትያን ኣብ ሃይማኖቱ ዘይንጥፉነቱ ንብዙሕ ሓደጋ የቃልዖ ኣሎ። እዚ ጸገም’ዚ ኣብ ናይጀሪያ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ምዕራብ ሃገራትን እውን ዝረአይ ተግባር እዩ። ናይ ክርስትና ሃይማኖትካ ነጢፍካ ዘይምናባሩ ንገዛእ ርእሱ ሓደገይና እውን እዩ። ስለዚህ ማሕበረ ክርስትያን ብትብዓት እምነቱ ኣብ ምንባር ክተግህ ይግብኦ ኣንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.