2012-08-21 15:22:36

ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ማሕተምን መግለጺ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 14 መስከረም ክሳብ ዕለት 16 መስከረም 2012 ዓ.ም. ብዛዕባ ኣብ ሊባኖስ ከካይድዎ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣመልኪቶም RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ማሕተምን ሓላፍን ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳርን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ቅዱስነቶም ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድኅረ ናይ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ክታሞም ኣንቢሮም ብወግዒ ነታ ኣብ ማእከላይ ምብርቕ እትክረብ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ክልግሱ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዛዕባ እቲ ንኽካየድ ዝተወሰነ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሊባኖስ በቲ ኣብ ሲሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላውን እዚ ቅላውላው ኣብ ሊባኖስ ክህልዎ ብዝኽእል ሳዕቤን ክፍጸም ዘይከኣል ይመስል ንዝብል ብሓፈሻኡ እቲ መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ክስረዝ ዝከኣል ምዃኑ ብዝተፈላለያ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝወሃብ ንዘሎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም ኣባ ሎምባርዲ ንናይ ፈርንሳ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፣ ብወገን ቫቲካን ምቅርራባት ነቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሓዋርያዊ ዑደት ብዘይ ሓደ ጥርጥር ይሳለጥ ከምዘሎ ኣነጺሮም፣ ነዚ ጭቡጥ መረጋገጺ ድማ እታ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝጥቀሙላ መንቀሳቀሲት መኪና ድሮ ናብ ሃገረ በይሩት ተላእኻ ኣላ ኣንክብሉ ከምዝሓበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.