2012-08-18 19:12:42

ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኢትዮጵያ ናይ ሐዘን ተለግራም ልኢኾም ፡


ዜና ዕረፍት

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወ ቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ፓትርያርክ ዘ ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘ አኽሱም ወዕጨጌ ዘ መንበረ ተክለሃይምኖት ፕረሲደንት ዓለም ለኸ አብያተ ክርስትያናት ሊቀ መንበር ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ ናይ ዓለም ለኸ ሃይማኖታት ናይ ክብሪ ፕረሴደናት ንሰላም አብ መበል 76 ዕድምኦም ካብዚ ዓለም”ዚ ከም ዝተፈለዩ ተነጊሩ ።
ብፁዕ አቡነ ጳውሎስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሐሚሞም ናይ ሕክምና አገልግሎት ክግበረሎም ከም ዝቀነየን ቅድሚ ትማሊ ረፍዲ ከም ዝዓረፉ ናይታ ቤተ ክርስትያን ሐፈሻዊ ስራሕ ቤተ ክህነት ዋና ሓለፊ ብጹዕ አቡነ ፍልጶስ ለፋ አፍሊጦም። ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ንዝሐለፈ ዕስራ ዓመታት ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝመርሑ መንፈሳዊ አቦ ኢዮም ።
ናይ ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ፓትርያርክ ዘ ኢትዮጵያ ሥርዓተ ቀብሪ ዝመጽእ ዘሎ ሐሙስ 23 ነሐሰ ክፍጸም ከም ዝኾነ ኤና አገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።
እዚ ከምዚ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብሞት ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ዝተሰምዖም ሐዘን ንፕትርኽና ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዝሰደዱ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አገንዚቡ ።
በዚ መግለጺ”ዚ መሠረት በነዲክቶስ መበል 16 ንቤተ ንፕትርኽና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስያን ኢትዮጵያ ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ አብ ሞንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኦርቶዶክሳዊትን ኢትዮጵያን ፡
ናይ ሐባር ዘተ ከካይዳ ዓቢ አስተውጽኦ ከም ዝገበሩ አብቲ ብ2009 አብ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ አፍሪቃን ማዳጋስካርን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሲኖዶስ ተረኺቦም ከም ዝነበሩን ንአብያተ ክርስትያናት ዘተኮረ ዘካየድዎ ዲስኩር ከም ዝዝክርዎ ጠቂሶም፡ ብመንፈስ አብ ጥቃቶ”ም ብሞት አቡነ ጳውሎስ ዝሐዘኑ ከም ዝኾኙ እግዚአብሔር ንአቡነ ጳውሎስ አብ መንግስተ ሰማያት ክቅበሎም ከም ዝጽልዩ እቲ ናይ ሐዘን ተለግራም አመልኪቱ ።
ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ አብቲ ብ2005 አብ ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተኻየደ ሥርዓተ ቀብሪ ብጹዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ተሳቲፎም ከም ዝነበሩ ይዝከር ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትያን ብዕረፍቲ ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ፓትርያርክ ዘ ኢትዮጵያ ናይ ሐዘን መግለጺ አውጺአ ።እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዘውጽኤቶ ናይ ሐዘን መግለጺ ከም ዘመልክቶ ፡ ብጹዕ አቡነ ጳውሎስ ናይ መላእ ኢትዮጵያ አቦ አብ ልዕሊ ምዃኖም ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝድነቁ መራሒ ሃይማኖት ናይ ሰላም አምባሳደር ኔሮም ፡ ስለዝኾነ ክአ መልክዕን ቅርጽን ኢትዮጵያ አብ መላእ ዓለም ዘፍለጡ ሐልዮት ዝመልኦም መንፈሳዊ አቦ ኔርም ።
አተሐሒዙ ብፁዕ አቡነ ጳውሎስ ፓትርያርክ ዘ ኢትዮጵያ አብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝነበሮም አረአእያን ቅርበትን ዝርሳዕ አይኾነን ።
መግለጺ ሐዘን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ቀጺሉ ብጹዕ አቡነ ጳውሎስ ምስ ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ኮይኖም ሐድነት ክርስትያንን ምቅርራብን ንክህሉ ዘበርከትዎ ክብ ዝበለ አስተዋጽኦ አብ መንበረ ጰጥሮስ ተመዝጊቡ አሎ ኢሉ።
እቲ ብዕረፍቲ ብፅዕ አቡነ ጳውሎስ ፓትርያሪክ ዘ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ ሐዘን ካቶሊካዊት ቤተ ክርትትያን ኢትዮጵያ አተሐሒዙ ፡ ብፁዕ አቡነ ጳውሎስ ናይ ኢትዮጵያ ናይ እምነት ተቅዋማት ናይ ሐባር ጉባኤ መስራቲ አብ ልዕሊ ምኳኖም
ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ብምኳን ሐላዊን መኻርን ኔሮም።
ኢትዮጵያ ሀገርና ለአፍሪቃ አህጉር ናይ ነፃነት ምልክት ስለዝኾት ምእንቲ ናይ ሰላምን ጸጥታን ምርግጋእን አብነት ክትከውን ብርቱዕ ጻዕሪ ዘካየዱ ተባዕ መንፈሳዊ አቦ ኔሮም። እዚ ክአ ዝድነቅን ዝምስገንን ሙያ ኢዩ ።
እቲ ብዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ፓትርያርክ ዘ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ ሐዘን አተሐሒዙ ንዕቤትን ልምዓትን ንፍትሕን ንማዕርነትን ህዝቢ ምእንቲ ነፃነትን ልምዓትን ሐድነትን ኢትዮጵያ ምእንቲ ዝሐሸ ናብራ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ ክአ አብ ውሽት ሀገር ይኹን አብ ብዓለም ለኸ መድረኽ ከም መራሒ ሃይማኖትን አምባሳደርን ኮይኖም ዘካየድዎ ጻዕሪ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ አርአያ ኮይኑ ዝነብርን ዝዝከርን ኢዩ ።
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብብፁዕ አቡነ ጳውሎስ መሪሕነት ሰላም ምርድዳእ ፍቅሪ ስምምዕ ብጽኑዕ መንፈስን አእምሮን አንፀባሪቃ።
ሀገር ብሰላምን ብትዕግስትን ብስራሕ ብሕይውነትን አሐትነትን መንፈስ ብምክብባር ከም ትህነጽ ዝምሀሩ ዓቢ መራሕ ሃይማኖት ከም ዝነበሩ ናይ ኩሉ ዜጋ እምነት አብ ግምት ብምእታው ካብ ልቢ ነመስግኖምን ነድንቆምን ።
አብ መጨረሻ ክአ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ፡ ናይ አህዛብ ሰላም ክዕቀብ ናይ ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ሐልዮን ዘበርከትዎ አስተዋጽኦን እናደነቅና መዝገብ ቤተ ክርስትርያን ብወርቃዊ ቀለም ንምዝግቦም ።
እግዚአብሔር ንብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ አብ መንግስተ ሰማያት ተቀቢሉ ከምብረልና ንቅዱስ ሲኖዶስን ብዕረፍቶም ንዝሐዘኑን ቤተ ሰቦም ጽንዓት ምእንቲ ክረኽቡ ብስመይን ብስም ካቶሊካውያን ጳጳሳትን ምእመናን ስም እዚ ናይ ሐዘን መልእኽት”ዚ የተሐላልፍ ። ብጹዕ አቡነ ብርሃነየሱስ ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያንን ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ ፕረሲደንት ።








All the contents on this site are copyrighted ©.