2012-08-18 14:19:47

ምሕረትን ዕርቅን


ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ንፈለማ ግዜ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝፈጸመዎ ወግዓዊ መብጻሕ “ምስ ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር RealAudioMP3 ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሚካሊክ ‘ናይ ሓባር ብሓባር ክታሞም ዘንበሩሉ መልእኽቲ ንሕዝቢ ሩሲያን ፖላንድ’ ከምዘመሓላለፉ እንክምልከት፣ እቲ ናይ ሓባር መልእኽቲ ናይ ክልተኣተን ሃገራት ሕዝቢ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ቅርሕንቲ ክውገድ ምሕረትን ዕርቅን ናይ ሓባር ዘተን” ክንበር ዝዕድም ከምዝዀነ ካብቲ ዝተውሃበ ናይ ሓባር መግለጺ እንክፍለጥ፣ ኣብቲ ናይ ሓባር መልእኽቲ “ሰላምን ዕርቅን” ዝብሉ ክለተ ቓላት ብተደጋጋሚ ዝተበረ ኰይኑ፣ ኣብ መንጎ ፖላንድን ሩሲያን ሓደኣዊ ክርስትያናዊ መሠረት ዘለዎ ናይ ክልቲኤን ሃገራት መንነትን ባህልን መሠረት ዝኾነ መንፈሳዊ ባህልን ምዕራባውን ምስራቓውን ሃይማኖታዊ ውርሻን ብምዝካር ነቲ ብሓባር ዘጋጥመን ተመሳሳሊ ዝኾነ ሓደጋ ተዛማዲ ባህሊ ብሓባር ገጢመን ክብድሆኦን ነቲ ንሕድ ሕዳዊ ተነጽሎ ዘተባብዕ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ቁስሊ ንምሕዋይ ምሕረትን ዕርቅን ናይ ሓባር ዘተን ብምትብባዕ ይግባእ፣ ንናይ ክርስቶስ ድላይ ዓቢይ ዕንቅፋት ዝኾኑ ምርጫታት ከወግዳን ንናይ ክልቲኤን ሃገራት ኣቢያተ ክርስትያን ከቀራርብ ዝክእል ሓድሽ መንፈስ ዘነቓቓሕ ሕዳሴ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘቃልሕ ጻውዒት ዘቕርበ መልእኽቲ ምዃኑ ካብ ዝተውሃበ ናይ ሓባር መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
“ሕውነታዊ ዘተ መገዲ ዕርቂ ከምዝኾነን ይቕረ ንምባልን ንምምሕሓርን ቁልጡፋት ንኹን፣ ሕነ ምፍዳይ ኣይፋል ብምባል ሰላማዊ ናይ ሓባር መጻኢ ኣብ ምሕናጽ ናይ ክልትኤን ሃገራት ሕዝቢ ክነጥፍን፣ ክልቴኣተን ሃገራት በቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ውግእን ምልካዊ ሥርዓትን በሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ከምእተሰውኡን ነዚ ታሪኽ ዝገልጽን ዘረጋግጽ ስፍራ መስዋዕትነት ኣብ ክልትኤን ሃገራት ከምዘሎ” ኣብቲ ናይ ሓባር መልእኽቲ ከምእተመልከተ ካብ ዝተውሃበ ናይ ሓባር መግለጺ እንክፍለጥ፣ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ሕዝብን ኣቢያተ ክርስትያንን ዘጋጥሙ ብድሆታትን ዝፍጠሩ ዘለዉ ሓደስቲ ለውጥታትን ንሃይማኖት ሸለል ዝብልን ምእማንን ዘይምእማንን ኵሉ ሓደ እዩ ዝብል ተዛማዲ ባህሊ ብሓባር ንምብዳህ ብዘይ መሠረታውያን ክቡራት ዋጋታት ሰላም ክሕነጽ ከምዘይከአልን፣ ሃይማኖት ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ዘለዎ ተራ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ካብ ዝተውሃበ ናይ ሓባር መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ናይ ሓሶት ዓለማውነት ንገዛእ ርእሱ ኣኽራርነትን ኢእግዚኣብሔራዊ ባህሊ ከምዝኾነን፣ ከምኡ እውን ስድራ ቤት ንሓደጋ ዘቓልዕ ዘበለ ኵሉ ንምብዳሕ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሰበይትን ብቃል ኪዳን ዝጸንዕ ውህደት ስድራ ቤት ምዃኑ ምምስካር ከምዘድሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣመልኪቶም። ተስፋ መላእ ቤተ ክርስትያንን ዓለምን ትንሳኤ ክርስቶስ እዩ። ንኽልቲአን ሃገራት ሕዝቢ ንሓለዋ ማርያም ሓደራ ዝብል ዕርቅን ምቅርራብን ሰላምን ኣብ መንጎ ሕዝቢ ሩሲያን ፖላድን ብአማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክረጋገጽ ብናይ ሓባር ማርያማዊ ጸሎት ዝተጠቓለለ ሰነድ ማዃኑ ካብቲ ዝተውሃበ ናይ ሓባር መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.