2012-08-17 11:46:37

፩ ሰንበት ዘፍልሰታ 1 ነሓሰ 2004 ዓ.ም. (7 ነሓሰ 2012ዓ.ም)


መዝሙር፡ ዮም ንዋድሳ ለማርያም. . . . ።
ንባባት፡ ኤፈ. 1፡3~12፥ 1ዮሓ 5፡14~ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡12~14፥ ሉቃስ 1፡26~38 ።
ምስባክ፡እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፥ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” “አሕዛብ አብአ ስለ ዝተወልዱ አደና ጽዮን ይብልዋ፥ እቲ ልዑል ኸጽንዓ እዩ” መዝ. 87፡5።
መዝሙር፡ በዚ ሰንበት ዝዝመር ከምዚ ይብል፡ “በቲ ካብአ ዝተወልደ መንክር ግርማ ኀይለ ልዑል ዘጽለላ ጎይታ ሰንበት አቦ ምሕረት ዝኾነ ሎሚ ንማርያም ንውድሳ አብ ማሕጸና ጾሮቶ፥ ንሱ ቀደሳ ዘገርም ኃይሊ ልዑል አጽለላ ብሓቂ መላእኽቲ ዓጀብዋ”።
ዘመነ ፍልሰታ ካብ ነሓሰ 1~16 ዘሎ ጊዜ እዩ። ናይ እግዝእትነ ማርያም ፍልሰት ብሥግአን ብነፍሳን ዝዝክር ብዓል እዩ። ማርያም ከም ወዳ ካብ መቓብር ብኃይሊ አምላኽ ከምዝፈለሰት ብመላእኽቲ ተዓጂባ እውን ናብ ሰማይ ከም ዝፈለሰትን በዚ እዋን ንዝክሮ። ኩልና ብጾምን ብጸሎትን ምህልላን ክልተ ሳብዕቲ ንሰናዶ። ብኹሉ ንማርያም ክንመስል ኢልና ንምህለል ንጽሊ።
ንአምላኽ ብብዙሕ መገዲ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና እንተኾነ እቲ ዝበለጸን ፍረ ዘልኦን በቶም ዘፍቅርዎ በቶም ብሕይወቶም ምስኡ ምሉእ ውህደት ዘልኦም ክንቀርቦ ከሎና ንአና ዝሐሸን ዝበለጸን እዩ። ማርያም እታ ዝበለጸት መሳልል አብ አምላኽ እተብጽሕ እያ። አምላኽ ካብ መጀመርያ ንፍሉይ ጸዋዕታ ስለ ዝሓረያ አብ መደብ አምላኽ ክብሪ ረኺባ አምላኽ ናቱ ገርዋ ብአ አቢሉ ንኹልና አብኡ አቕሪቡና። ነዛ አፍደገ ድሕነትና ዝኾነት ብምሉእ ልብና ክንቀርባ እንከሎና ንቅድስናና እዩ። አብዚ ቅዱስ እዋን ፍለሰታ እምብአር ደቂ ማርያም ክንከውን ንአምላኽ ብማርያም ክንረኽቦ ንዕደም አሎና።
ምስ ማርያም ዘሎና ርክብን ብአአ አቢልና ምስ ወዳ ዘሎና ርክብ ክነስተማቕር እሞ አደና ኢልና አብ ሕቝፋን ጽላላን ክንመላለስ ዝሕግዝ ቅዱስ እዋን ሒዝና አሎና። ኩነት ማርያም ክንርዳእ ካብ ምጅማር ተፈጥሮአ ክንጀምሮ አሎና። ፍልሰታ ፍረ ናይ እቲ ካብ መጀመርያ ተፈጥሮአ ዝተዋህባ ፍሉይ ጸጋ አብኡ እዩ ዝምስረት። ናይ እዚ ኩሉ ምንጪ አብቲ ብዘይ ኃጢአት ምጽናሳ ዝብል ዓምዲ እምነት እዩ ዝስረት። ንሎሚ አብዚ መጀመርያ ሰንበት እዋን ፍልሰታ እምብአር ብዛዕባ ብዘይ ኃጢአት ምጽናሳ ክነስተንትን፥ ከምኡ እምነትና ብዛዕብኡ ክንርኢ።
ብዙሓት ብዘይ ኃጢአት ምጽናስ ክብሃል እንከሎ ይደናገሩ፥ አብ እምነትና ብዘይ ኃጢአት ተጸኒሳ ክንብል ከሎና ካብታ መጀመርያ ደቂቕ ጽንሰታ ብዘይ ናይ አቦና አዳም ኃጢአት ተጸኒሳ ማለት እዩ። ከም ኩሉ ሰብ ምስ ተጸንሰት ድኅሪ 9 ወርኂ ካብ አዲአ ተወሊዳ።
እምነትና አብ ቅዱስ መጽሓፍን አብ ትውፊት ቤተ ክርስትያን (ትምህርቲ ሓዋርያት ብቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዝተመሓላለፈና) ዝተመስረተ እዩ። ብዘይ ኃጢአት ምጽናሳ ዓምዲ እምነትና እዩ፥ እዚ ወላ እኳ ብንጹር አብ ቅዱስ መጽሓፍ አይንርከቦ እምበር አብ ትውፊት ንረኽቦ፥ ማለት ካብ መጀመርያ እምነት ቤተ ክርስትያን እዩ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ማርያም ብዘይ ኃጢአት አዳም ምጽናሳ ዝሕብር ንጹር ሓበረታ አሎ። (ነዚ ትውፍት ብዝያዳ ክንርዳእ Yves Congar, ዝተባህለ ፈረንሳዊ ሊቕ ዝጸሓፎ ክነንብብ ከሎና ክርድአና ይኽእል)። ካብ መጀመርያ አበው ቤተ ክርስትያን ነዚ አስተምሂሮም አመሓላሊፎምልና። ሓዲስ ኪዳን ቅድሚ ብጽሑፍ ምምሕልላፉ ብቃል እዩ ተመሓላሊፉልና ስለዚ ንትውፊት ልክዕ ከም ቅዱስ መጽሓፍ ክንርእዮ ከምቲ ቤተ ክርስትያን እተስተምህሮ ክንርድኦ ትሑዛት ኢና። ነቲ ሓቂ ክትገልጸልና ሓላፍነት ዘልአ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ እዩ። ሓደ ካብቲ ትውፊታት እዚ ናይ ማርያም ብዘይ ኃጢአት ምጽናስ እዩ።
አብ ወንጌል ሉቃስ አብ ዝተነበ ገብርኤል መልአክ አብ ማርያም ተላኢኹ ኢየሱስ ካብአ ከም ዝውለድ ከም ዘበሰራ ይነግረና። ከምዚ እናበለ አበሰራ “ሰላም ንአኺ ኦ ምልእተ ጸጋ” (ሉቃ 1፡28)። አብዚ ዕሞቕ ናይቲ ሰላምታ ቃላት ክርድአና የድሊ። ጸጋ ዝመልአኪ ክብላ እንከሎ ንግዚኡ እቲ መልአኽ ክብላ እንከሎ ጥራሕ ዘይኮነ ንምሉእ ሕይወታ ምልእተ ጸጋ ከምዝኾነት የስምዕ። ንሳ ካብ መጀመርያ ሕይወታ ምልእተ ጸጋ ምዃና የስምዕ። ሉቃስ ካልእ ቃል ክመርጽ ምኽአለ ነሩ። ንአብነት ከምቲ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቅድሚ ብዳርባ እምኒ ምማቱ ዝበሎ “ምሉእ ጸጋ” ነሩ ክብሎ እንከሎ ዝተጠቕመሉ ቃል (ግ.ሓ. 6፡8)። ሉቃስ ማርያም ምሉእ ሕይወታ ምልእተ ጸጋ ከምዝኾነት አነጺሩ ይጽሕፎ። ስለዚ አብዚ ብተዘዋዋሪ ማርያም ካብ መጀመርያ ጽንሰታ ብዘይ ኃጢአት ከም እተጸንሰት ካብ ወንጌል ምልክት ንረክብ።
ገብርኤል መልአኽ ንማርያም ፡”ሰላም ንአኺ ኦ ምልእተ ጸጋ” ኢሉ ከበስራ እንከሎ ከምቲ ንሕና ንሓደ ሰብ ሰላም ክንብሎ እንከሎና መዓርጉ ከም ልሙድ እናተጠቐምና እንብሎ መልአኽ ገብርኤል ከአ ንማርያም ነዚ ስም ከምናታ ዝግብአ ልሙድ ስማ ገሩ “ጸጋ ዝመልአኪ” እናበለ አበሲርዋ። አብ ሕይወት ሰባት አስማት ካብቶም ቀንዲ ነገራት እዮም፥ ምኽንያቱ ስምካ መን ምዃንካ ይገልጽ እዩ፥ “ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ” ከምዝብሃል። ስለዚ “ምልእተ ጸጋ” ዝብል ናይ ማርያም እንታይነት ይገልጽ።
ካልእ አብ ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦ ብዛዕባ ማርያም ብዘይ ኃጢአት ምጽናሳ ዝገልጽ አሎ። ማርያም ንኢየሱስ አብ ማህጸና ትሽዓተ ወርሒ ጸራቶ። ነዚ ርድኢት ሒዝና ሓደ ካብቲ ንማርያም ዝውሃብ አስማት “ታቦተ ኪዳን” “The Ark of the Covenant” (Ex 25:16) ዝብል እዩ። ታቦተ ኪዳን አብ ብሉይ ኪዳን ሓደ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሔ አብ ውሽጡ ክልተ ጽላት ዓሰርተ ትእዛዛት እግዚአብሔር ንሙሴ ዝተዋህበ ዝሓዘ እዩ ነሩ። ስለዚ ታቦተ ኪዳን ቃል እግዚአብሔር ሒዙ ነሩ ማርያም ከአ ንኢየሱስ ቃል አምላኽ ዝኾነ አብ ከርሳ ሒዛቶ እያ ስለዚ ንማርያም ታቦተ ኪዳን ክንብላ ንርከብ። አብ ብሉይ ኪዳን ታቦተ ኪዳን ክንቀሳቐስ እንከሎ እቶም ዝጾርዎ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻ ክኾኑ አለዎም ምኽንያቱ እቲ ዝስከምዎ ታቦተ ኪዳን ቅዱስ አብ ውሽጡ ቃል እግዚአብሔር ስለ ዘሎ (1ዘና መዋዕል 15፡14)። ልክዕ ከምኡ ማርያም እታ ሓዳስ ታቦተ ኪዳን ዝኾነት ብኃጢአት ክትንከፍ አይክአልን እዩ። አምላኽ አብ ማህጸና ክተሕድር ካብ ኮነት እግዚአብሔር ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻ ክገብራ ትርጉም አልኦ። ኃጢአትን እግዚአብሔርን ክልተ ተጻረርቲ ነገራት እዮም። ስለዚ እግዚአብሔር ንማርያም አደ ወዱ ክትከውን ስለ ዝደለ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻ ገሩ ፈጢርዋ። ኩነት ማርያም እዚ ካብ ኮነ ማለት ካብ መጀመርያ ጽንሰታ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻ ዝወጸት እያ እምብአር ብሥግአን ብነፍሳን አብ ሰማይ ብግርማን አብ መጨረሽታ ሕይወታ ፈሊሳ ምባል አየጸግምን።
ነዚ ፍሉይ ጸጋ ንማርያም ዝተዋህበ ክነስተንትን ከሎና አብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ድኅነት ዘልአ ተራ ክነስተንትን ከምኡ አብ ጉዕዞ ሕይወትና እትጻወቶ ተራ ክነስተንትን ንኽእል። ሓደ ፍሉጥ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ማርያም ተራ አብ ጉዕዞ ሕይወትን ብዝያዳ ዘስተንተነ ቅዱስ ሉዊስ ማርያማዊ ደ ሞንትፎርት ዝተባህለ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ካልአይ ንጽሑፉ ብጣዕሚ የድንቑን አብ ጽሑፉ የስተንትኑን። ቅ. ሉዊስ ካብቲ ሓደ ጭርሖኡ ዝነበረ “ ኦ ማርያም ኩልንትናይ ኩሉ ናትኪ እዩ” ዝብል ነሩ።
ካብ ጽሑፋት ቅ. ሉዊስ ብዛዕባ ማርያም ክብዝበሎ ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ዝብል ንረክብ፡ “እግዚአብሔር ኩሉ ማይ ዝርከቦ ፈጠረ ባሕሪ ውቅያኖስ ኢሉ ኸአ ሰምይዎ። ናይ ኩሉ ማእከል ጸጋ ኸአ ገሩ ማርያም ኢሉ ከአ ሰምይዎ። እግዚአብሔር ንኹሉ ዝሓዘ እዩ አብኡ ዘየለ የልን ፥ ኩሉ ሃብቲ ኩሉ ጽባቔ፥ ግርማ አብኡ አሎ። እቲ ወዱ ከይተረፈ አብ ውሽጡ አሎ። እዚ ዓቢ ሃብቲ አብ ማርያም እውን አሎ በዚ እዮም ኩሎም ቅዱሳን ሃብቲ እግዚአብሔር ኢሎም ዝሰምይዋ።
እግዚአብሔር ወልድ አብ ሕይወቱ ኩሉ ዝረኾቦ ምሰዲኡ ምሉእ ተማቒልዎ እዩ። ሞቱ፥ ትንሣኤኡ፥ ኩሉ እቲ አብኡ ዝሃቦ ኩሉ ምሰዲኡ ተማቒልዎ ማለት አብቲ ዘልኦ ኩሉ ከም እትሳተፍ ገርዋ። ብአአ አቢሉ ጸግኡ ንካልኦት አባላቱ ይዕድሎም፥ ንሳ ምስጢራዊት መራኸቢት ብአአ አቢሉ ኩሉ ምሕረቱ ዝዕድለላ እያ። መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ህያባቱ ብማርያም አቢሉ ይዕድለና. . . ” (ሓቀኛ አኽብሮት ማርያም ፩ይ ክፍሊ ምዕራፍ 1 ዓንቀጽ 2 )።
ማርያምከስ ካብ መጀመርያ ተፈጥሮአ ምልእተ ጸጋ ብዘይ ኃጢአት ዝተጸንሰት እያ። እግዚአብሔር አብ ብአአ አቢሉ ንአና ደቂ ሰብ ርክብ ፈጢሩላና። ነቲ ብሰንኪ ውድቀት ኃጢአት አብ ዓለም ዝአተወ ጸልማት ቀንጢጡ አብ ብርሃን ክንአቱ ፈቒዱልና። ኢየሱስ አብዚ ዓለም ብማርያም አቢሉ እዩ መጺኡና። ሎሚ ንሕና አብኡ ገጽና ክንከይድ እንተ ደለና እትመርሓና እተራኽበና መገዲ ናብ ኢየሱስ ዝወስድ እትሕብረና ንሳ እያ።
አብ ማርያም ፍሉይ ጸሎት ክነዕርግ ይግብአና። ብፍላይ እዚእዋን እናተማህለልናን እና ጸለናን ክነሕልፎ እሞ ንአምላኽ ክንልምኖ ክንቀርቦ አብአ ክንቀርብ ይግብአና። ንማርያም ኢዳ ክትህበና አብአ ተጸጊዕና ንወዳ ክንረኽቦ ክንልምኖ ሎሚ እውን አደ ኩንና ንበላ። ምህልላ ፍልሰታ ኩሉ ትሕዝቶኡ እንተ ረኤና ሰባት አብ እዋን ጸገማት ብፍላይ አብ ሰላም ዝሰአነሉ እዋናት ደቂ ሰብ ሕጊ አምላኽ ሓዲጎም አብ ናይ ዓለም ጥራሕ ምስ ዘምበሉ ዝጽለ ፍሉይ ጸሎት እዩ። አብ ታሪኽ ክርስትናና ማርያም ዝተፈላለየ ስም ይውሃባ ምስቲ ንሳ እትህቦ ጸጋ አተሓሕዝና ንጽሊ። ንግስተ ሰላም፥ ናዛዚተ ሕዙናን፥ ረዳኢት ጽጉማት፥ ኪዳነ ምሕረት. . . እናበለና ንሰምያ። ማርያም እምብአር አብ ምስ አምላኽ እንገብሮ ርክብ ዓቢ ተራ አልአ ነዚ አለሊና ክንምህለል ዑቕባ ክንሓታት ጥዑም እዋን እዩ። አብ ሃገርና ኩሉ አማናይ ንጋሆ ስዓት ሰለስተ ተንሢኡ ይምህለል ኩሉ ብሕጉስ መንፈስ ነደ አምላኽ ይልምን እዚ ፍሉይ መንፈሳዊ ባህልና እዩ። ንሕና እውን ወላ እኳ ከምኦም ለይቲ አይንተንስእ እምበር ዕለት ዕለት ፍሉይ ጸሎት ክንገብር ክንምህለል ይግብአና እሞ ሓደራ ዝብሎ ደቂ ማርያም ኮና ንማርያም ንለምና።
ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እዩ ለበውአ አነ ዝብለኩም አይኮነን ቃል። ንሳ አብ ወዳ ክተብጽሓና ምስኡ ክተራኽበና እዩ ድለታ፥ ንሳ ከማና ፍጥርቲ እያ ከም አምላኽ አይኮናን እነምላኻ ንሳ አደ አማላዲት ዓራቒት ሓባሪት ትምህርቲ ወዳ እያ። ከምቲ አብ ቃና ዘገሊላ ዝዓደምዋ ሎሚ አብ ሕይወትና ተአምራት ክተግብረልና ንለምና ንዓድማ። አብ ግላውን ሓባራውን ሕይወትና ንዓድማ። አብዚ ቅዱስ እዋን እምብአር ንኢየሱስ ምስ አዲኡ ዓዲምና አብ ግላውን ሓባራውን ጸገምና ክረድኡና ንለምኖም።
ኦማርያም አደናን አደ መድኃኒና አብዚ እዋን አብ ትሕቲ ጽላልኪ አጽሊልና አብቲ ንወድኽን ንአኽን ዘሐጉስ ክንምለስ ከም ደቅኺ ሓደ መንፈስ ለቢስና አብ መንጎና ሰላም ፍቕሪ ከነዘውትር ብነፍስን ብሥጋን ንጽጉማት አሕዋትና ክንረድእ፥ አብ ደምበ አምላኽ አቲና ዓለምና አብቲ አምላኽ ዝበሃጎ መገዲ ክንመልሳ ክትሕግዝና ንልምነኪ አሎና ንበላ። አብዚ ጊዜ ጾም ጊዜ ጸሎት ኩልና ብኃቲአትና ተነሲሕና ንአምላኽ ክንዕረቖ ክንልምኖ ልብና ንኽፈተሉ። ኦ ማርያም ምስ ወድኺ ዕረቕኒ ንዝበደልክዎ ክንሳሕ ጸጋ ለምንለይ ንበላ።
አብ ኩሉ ጽላል ወላዲተ አምላኽ አይፈለየና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ







All the contents on this site are copyrighted ©.