2012-08-16 14:50:01

ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ “ኣብ ማርያም ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ክብሪ ነስተንትን”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ብላቲን ስርዓት ድሕሪ ክቡር በዓል ፍልሰታ ለማርያም ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ካብቲ ንሓጋይ ዕረፍቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብሉ ሓዋርያዊ ሕንፃ ኰይኖም በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝትረኽብሉ ጸሎት RealAudioMP3 መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣንዊ ኣስተምህሮ፦ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ኣብ እምነትን ኣምልዀን ናይ ቀዳማይ ዘመን ቤተ ክርስትያን ዝተሰርተን ብቐጻልነት እናሃብተመን ኣናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ንእኖ እግዚኣብሔር ዝግለጽ ፍቕርን ኣኽብሮትን እዩ። ፍልሰታ ለማርያም ንምርዳእ መታን ክንክእል ነቲ ዓቢይ ናይ ድሕነት ምስጢር ዝኾነ፣ ናይ ክርስቶስ ብስቓይን ሞትን ትንሳኤን ናብ ክብሪ እግዚኣብሔር ምስግጋር ፋሲካ ክንጥምት ከምዘሎናን፣ ማርያም እታ ኣብ ናይ ምድሓን ምስጢር ዓቢይ ግደ ዘለዋ ከምዝኾነት ዘረጋግጽ ብስጋ ወልደ እግዚኣብሔር ከምዝወለደትን፣ ካብ ምፍጣራ ዝደሓነት ብፍሉይነት ኣብ ናይ ወዳ ስቓይን ክብርን ዝሓበረት እያ። ፍልሰታ ለማርያም እቲ ናይ ክርስቶስ ምስጢረ ፋሲካ ኣብኣ ብምልኣት ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጽ ምዃኑ እንከመልከቱ፦ “ፍልሰት ንዓና ዝትንክፈና ኣንታይነት ናይ ነፍሲ ወከፍናን ናይ ሰብኣውን ታሪኽን ዕድሎትና ዀሊዑ ዝሕብረና ጭቡጥ ሓቂ እምነት እዩ” ኢሎም።
ኣብ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ዝንበብ ካብ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ዝተወስደ ቃለ ወንጌል ማርያም ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኸት እያ ዝብል ቃል፣ እቲ ናይ ማርያም ዓሚዩቕ እምነት ዘረጋግጽ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንከስተምህሩ፦ ማርያም ምስቶም ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ተግባርን ኣብ ድኻምነትን ዓበይቲ ነገራት ክፍጽም ዝኽእል ኣብ እግዚኣብሔር እምበር ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓይሊ ክተኣማመኑ ምስ ዘይክእሉ ድኻታትን ትሑታትን ተነቢራ። ፍልሰታ ለማርያም ንእግዚኣብሔር ኣዚና ገዛእ ርእስና ሕድሪ ክንህብ ወይ ድማ ከነወፍይን ቃሉ ክንስዕን በቢ ዕለቱ ፍቓዱ ክነናድን ክንፍጽምን እቲ ዝጽበየና ዝተዀልዐ መጻኢ ዘርህው እዩ። ኣዚ መገ’ዚ እዩ ድማ ኣብ ምድራዊ ጉዕዞና ብፁዓን ዘብለናን መዓጹ ሰማይ ዘርህወልናን እዩ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ሰናይ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ተመንዮም ተፋንዮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.