2012-08-16 14:57:48

ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት


ብምኽንያት ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ብቕልውላው ኤኮኖሚ ዝሳቐዩ ሕዝብታትን መንግሥታትን ስድራ ኣባይትን መንእሰያትን RealAudioMP3 ዘማእከለ ኣብ ኵለን ቁምስናታት ፈረንሳ ዝተደግመ ጸሎት ከምዝደረሱ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ጸሎት ትማሊ ኣብ ፈረሳ ኣብ ዝርከባ ኵለን ቁምስናታትን RealAudioMP3 ኣባይቲ ጸሎትን ገዳማትን ከምዝተደግመ ካብ ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፈ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ በቢ ዓመቱ ኣብ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ብናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ተደሪሱ ዝቐርብ ናይ ሓባር ጸሎት ኣብ 1648 ዓ.ም. ዝተጀመረ ኰይኑ ግን ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ወግእ ዓለም ተቛሪጹ ከምዝጸንሔን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ቅዱስ ባህሊ ዳግም ክጅመር ብዝብል ውሳኔ መሠረት ዘተኣታተውዎ ሰናይ መንፈሳዊ ባህሊ ምዃኑ ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ በርናርድ ፖድቪን ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም፣ ብሓቂ ናይ ፈረንሳ ጥንታዊ መንፈሳዊ ባህሊ ዘዘኻኽርን ዝገልጽን ለበዋ ቅዱስ ጳውሎስ ዝኽተል ሃብቲ እዩ። ብፁዓን ጳጳሳት ፈረንሳ እዚ ሰናይ መንፈሳዊ ባህሊ ዳግም ክበራበር ገይሮምዎ ኣለዉ ኢሎም።
ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ኵሉ ጓሶት እያቶም ሓቢሮም ድማ ብዘይ ፍልልዩ ንዅሉ ዘርኢ ሰብ ንመላእ ዜጋታት ብስም ክርስቶስ ዝፍጽምዎ ተግባር እዩ። ስለዚህ ነቲ ሓደ ዝድግፍ ወይ ድማ ዝቃወም ኣብ ናይ ፖለቲካ ርእየት ዝተደገፈ ኣይኰነን፣ ክኸውን ድማ ኣይክእልን። ሕዝብን መንግሥትን ንናይ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ኣብ ዝመርሕ ዕላማ መታን ክጽመዱ ነዚ ዘብቕዕ መገዲ ከለልዩን ዘጋጥም ዘበለ ኵሉ ሽግርን ዝፍጠሩ ሕቶታትን ግቡእ መልስታቶም ንምልላይ ክኽእሉ ዝልምን ብእኖ ኣምላኽን ብናይ ኵሉ ሕዝቢ ኣደ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ዝቐርብ ጸሎት እዩ።
ምእንቲ ስድራ ቤትን ሕይወትን ናይ ሕይወት ባህልን ነዚ ባህሊ ንምስፋሕን መንግሥታት ነቲ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ሽግር ሰብኣዊ ፍጥረት ብዘኽብር ውሳኔ ብቑዕ መልሲ ክህብሉ ዝቕርብ ጸሎት ኰይኑ ንማንም ዘይንጽል እዩ። ነቲ ብብፁዓን ጳጳሳት ዝተደርሰ ጸሎት ቆናጺልካ ከከም ዘድልየካ ትርጉም ብምሃብ ዝፍጠር ዘሎ ክርክር ዓቢ ጌጋ እዩ። እቲ ጸሎት ንዅሉ ምእንቲ ዅሉ ብማርያም ኣማላድነት ዝቐርብ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.