2012-08-14 14:39:35

ሰሜን ኰርያ


ካብ መርሒ ሰነ 2012 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ሰሜን ኰርያ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕልቕላቕ ዝናም 169 ዜጋታት ንሞት ከምዝዳርገን፣ ሓለዋት 400 ዜጋታት ከምዝጠፍኤን 200 ሺሕ ከምዘመዛበለን RealAudioMP3 እንክንገር፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ሰሜን ኰርያ ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ቅልውላው ሰብኣዊ ጉዳይ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጾም፣ ብፍላይ ንናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ክንክን ጥዕና ብርቱዕ ግዳሰ ክግበር ኣተሓሳሲቦም፣ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንሰሜን ኰርያ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክብ ከብል ምዃኑ ከምዝገለጹ ኣብ ሰሜን ኰርያን ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ኣብ ሰሜን ኰርያ ተዋፊሮም ናይ ዘገልግሉ ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት መርበብ ሓበሬታ እንከመልክት፣ ኣብቲ ምዕልቕላቕ ዝናም ዝተኸስተሉ ከባቢ ሰሜን ኰርያ ቅልውላው ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዘስዓበን ነቲ ዝተበከለ ማይ ኣጻሪኻ ብምቕራብ ነቲ ክኽሰት ዝኽእል ሕማም ተላገብ ንምኽልኻል ዝኣመተ ናይ ግብረ ሰናይ መደባት ይሳለጥ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ ዘይ መንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣብ ሰሜን ኰርያ ይገልጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.