2012-08-14 15:19:52

ምስንዳዋታ ንበዓለ ፍልሰታ ለማርያም


ናይ መላእ ዓለም ማሕበረ ክርስትያን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዕለት 1 ሕዳር 1950 ዓ.ም. ብሐዋርያዊ ውሳኔ - ፍጹም ለዋሕ እግዚኣብሔር “ መሰረት ንዝኣወጅዎ 00:01:58:20 ዘይልወጥን ዘይከሓድን ክፍሊ ዓንቀጸ እምነት ፍልሰታ ለማርያም ጽባሕ ዕለት 15 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ንምብዓል ዓበይቲ ምስንዳዋት ክግበር ከምዝጸንሔ ክምልከተ እንከሎ፣ ብዛዕባ ዝግበሩ ዘለዎ ምድላዋት ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር በነቨንታኖ ዝርከብ ፍልሰታ ለማርያም ጳጳሳዊ ባሲሊካ ዘጓርዲያ ሳንፍራሞንዲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ኣመሓዳሪ ኣባ ፊሊፖ ሎናርዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣኽብሮት ንስልሰታ ለማርያም ካብ ጥንቲ ዝጸንሔ መንፈሳውነትን ትውፊትን መግለጺ ዓቢይ ፍቕሪ ንማርያም ከምዝዀነን በቢ ዓመቱ ኣብታ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ በዓለ ፍለስታ ለማርያም ክበዓል እንከሎ በቢ ሸውዓተ ዓመት ድማ ንኽብሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓፈሻዊ ስርዓተ ኑዛዜ ይፍጸም፣ ከም ናይ ማርያምን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እምነት ክህልወናን ኣብ እምነት ንኽንዓብን ብኣማላድነት ማርያም ጸጋ እግዚኣብሔር እንጽለየሉ ናይ ማርያም ንጽሕት ብመንፈስን ብስጋን ኣሜን እንብለሉ ዓቢይ በዓል እዩ።
እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ትርጉም ንጽሕና ዘጥፍኤን ስጋን ነፍስን ዝኸፋፍል ክሌኣውነት ምዃን ፈላልዩ ዝነብር ባህሊ ዝሰፍሓሉ እዩ። በዓለ ፍልሰታ ለማርያም እዚ ክሌኣዊ ምዃን ብምግምማዕ ምንባር ከነወግድን መንነት ምሉኣዊ ምዃንና እነቃልሓሉን ማርያም እዚ መንነትና’ዚ ከይዝጋዕ ክትድግፈና ብኣማላድነታ እንጽለየሉን ማርያም ናብ ዘለዓለማዊ ቤት ፈሊሳ ናይ ምጽንናዕን ውሑስ ተስፋን ምልክት ምዃና እንዝክረሉን እንነብረሉን ዓቢይ በዓል እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.