2012-08-11 14:17:03

ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ፦ መንነት ካህን


ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ኣብ ኤኳዶር ርእሰ ከተማ ኪቶ ናብ ዝተኻየደ ብሔራዊ ሓምሻይ ጉባኤ ካህናት ሰበኻ ኤኳዶር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ክምልከት እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ኣብቲ መንነት ካህን ዘነጽር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ካህናት ጸዋዕታ ክህነት ክርስቶስ ምሉእ ብሙሉእ ብምስዓብ ዝንበር ምዃኑ ከይዝንግዑ ኣዘኻኺሮም ክህነት ናይ ምሉእ ሕይወት ሓላፍነትን RealAudioMP3 ዘየማትእ ክርስቶስ ንምስዓብን እሙን ኣብሳሪ ቃሉን ንምዃን ዘብቅዕ ጸዋዕታ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ነቶም ናይ ኤኳዶር ናይ ሰበኻ፣ ካህናት ጐይታ ጓሶት ንኽዀኑ ነዚ ዓቢይ ሓላፍነት ተሓርዮም ድልው ዘብሎም ርእሰ ብቕዓትን ውልቃዊ ውሕልነት ዘይኰነስ፣ ክህነት ብሞሳ ፍጹም ተወፋይነት ብናይቲ ዘፍቅርን ክምሰል ዝሓትትን ክርስቶስ ሓቀይና ሰብኣውነትን እንኰ ጓሳንነትን ዝንበር እዩ ኢሎም፣ ናይ ክህነት ሰለስተ መሠረታዊ ተግባራት እንከዘኻኽሩ፣ ብቐዳምነት ብምስራዕን ብምቕዳስን ቅዱሳት ምስጢራት munus sanctificandi-መብጽዓ ንቕድስና። ነዚ ተግባር’ዚ ድማ ምሉእን ብሉጽ ሓይልን ብቕዓትን ዝውዕለሉን ዝንበረሉን ከምዝኾነን፣ እዚ ተግባር’ዚ ድማ መደብ ድሕነት እግዚኣብሔር ሕዝበ እግዚኣብሔር ቅዱስ መታን ክኸውን ነቲ ሕዝቢ ንቕድስና ብምምራሕ ዝፍጸም ካብ ተልእኾ ወንጌል ዘይንጽል እዩ። እዚ ትርጉም መንነት ክህነት ኣብዚ እዋን’ዚ ክዝንጋዕ ይረእይ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝዕደል munus docendi-መብጽዓ ምምህርነትን munus regendi-መብጽዓ ናይ ምምሕዳር ዝብሉ ተግባረ ምስጢረ ስርዓት ምዃኑ ተንቲኖም፣ ሓዲስ ኣስፍሆተ ወንጌል፣ ሕዳሴ ሃዋርያዊ ኣግልግሎት ግብረ ኖልዎን ቃለ ብስራትን ማለት እዩ። በዚ መሰረት’ዚ ድማ ካብ ክርስቶስ ዝወሃብ ተልእዀ ግልጽን ዘየማትእን ምዃኑ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፣ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ። እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ኪድሕን እዩ፣ እቲ ዘይኣምን ግና ኪዅነን እዩ።” (ሉቃ. 16፣ 15-16) እንክብል ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ ዝተነብረ እዩ ኢሎም።
ናይ ሰበኻ ካህን ብዓቢይ መብጽዓ ዝግለጽ እውን እንተዘይኰነ፣ ንኣቡኑ እሙንን ተኣዛዝን ክኸውን ዝተጸውዔ እዩ። ናይ ሰበኻ ካህን መብጽዓ ውሉዳዊ ክብርን ተኣዝዞን ዘጠቓልል ኣብ ኢድ ኣቡን ዝእተው ቃለ ምዃኑ የነጽር። ኣብዚ ተዛማዲ ባህሊ ማለት ኵሉ ሓደ እዩ ምእማንን ዘይምእማን ሓደ እዩን ስርዓት ኣልቦኣዊ ነጻነት ዝብል ባህሊ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ናይ ካህን ቃለ መብጽዓ ክትርድኦ ዘይከኣል የምስሎ። ስለምታይ እቲ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ሓቀይና ነጻነት ስርዓት ኣልቦነት ዝብል ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ ተኣዝዞን ተኣማንነትን ሰብኣዊ ክብርን ነጻነት ኣነኣኢሱ ስለ ዝገልጾ እዩ። ነቶም ሓቀይና ተኣዝዞ ዝነብሩ ግን ተኣዝዞ ንቤተ ክርስትያን ንሰብኣዊ ክብርን ምኽባሩን ዝጻረር ከምዘይኰነ ክንርዳእ ይግብኣና። ተኣዝዞ ካብ ሓላፍነት ምህዳምን ተነጺልካ ምንባርን ማለት ኣይኰነ። ምስ በሉ ተኣዝዞን ተኣማንነትን ኣብቲ ብስጋሁ ወደሙ ህልው ዝዀነ ብቐጻልነት ዝዓዪ ኣብ ቤተ ክርስትያን ህያው ኣብ ዝዀነ ሓቂ ክርስቶስ ምንባር ማለት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.