2012-08-11 14:18:50

ቅልውላው ኤኮኖምን፣ ካርል ማርክስን፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ማሕበራዊ ትምህርትን


ኣብዚ ቅልውላው ኤኮኖሚ ዝዓብለሎ ዘሎ ዓለም ዝተፈላለያ ዓበይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ዘቕርብኦ ናይ ስነ ቁጠባን ኤኮኖምን ትንተና፣ ኣብ ካርል ማርክስ ነቲ ኣብ 800 ብዛዕባ ርእሰ ማልነት ዝሃበሉ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ርእይቶ ዘተኰረ ከምዝኾነን ብፍላይ ካርል ማርክስ ውድቀት ርእሰ ማልነት ብዛዕባ ስነ ባንክ ቤትን ዝሃበሉ ርእይቶ ዓቢይ ኣቃልቦ ክገብራሉ ከምዝጀመራን ክፍለጥ እንከሎ፣ RealAudioMP3 ካርል ማርክስ ብዛዕባ ውስንነት ርእሰ ማልነት ዝበሎ ሓሳብ ጀሚርካ ካብ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13ን ክሳብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ዝድህስስ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ዝሃቦን ዝህቦን ዘሎ ዓቢይ ኣስተዋጽዖን ኣመልኪቶም ናይ ስነ ኤኮኖምን ስነ ፖለቲካን ሊቅ ስተፋኖ ዛማኚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝተረጋገጸን ዝርኤ ዘሎን ናይ ርእሰ ማልነት ዘይብቑዕነትን ውሱንነትን ንኽጽላእ ዝድርዀ ዘሎ ጉዳይ ብመንጽር ትንተና ስነ ኤክኖሚ ካርል ማርክስ ክርአይ እንኰሎ፣ ከምቲ ንሱ ዝብሎ ርእሰ ማልነት ናይ ግድን ክዓንው ኣለዎ፣ ብናይ ማኅበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን መንጽር ግን ርእሰ ማልነት ኣብ ከይዲ ኤኮኖሚ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ፍልቀት ከምዝዀነን ፍልቀት ብምዃኑ ድማ ክውቃዕ ወይ ድማ ክዓንው ዘይኰነስ ክስገር ከዘለዎ ኵነት ምዃኑ ንርዳእ።
ናይ ርእሰ ማልነት ውስንነት ቅድም ቀዳድም ኣብ ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ዘይተመዓራረየ መነባብሮ ብስሩዕ ኣካይዶ ዝኽተሎን ካልኣይ ኣምር ውስንነት ዝኽሕድ ካብ ምዃኑ ዝብገስ እዩ። ስለዚህ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ውሱን ምዃኑ ኣይርድኦን። ብሳልሳይ ደረጃ ኣብ መንጐ ፖለቲካን ኤኮኖምን ዘሎ ናይ ርክብ ውስንነት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ ኣተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ነቲ ብሰፊሕ ዘነጽር ትንታናኦም፣ ኤኮኖሚ ንፖሊቲካ ከምኡ እውን ንዴሞክራሲ ስርዓት ክውሕጥ ዝደሊ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ስለዚህ ናይ ርእሰ ማልነት ስነ መጐት ክተኻከል ከምዘለዎ የተሓሳስቡ። ኣብ መንጐ ኤኮኖምን ፖለቲካን ዘሎ ርክብ ብፍላይ ድማ እዚ ርክብ ኣብ ውሽጢ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝብል ኣተሓሳስባ ዘመልክት እዩ። ፖለቲካ ንኤኮኖምን ንፖለቲካዊ ዴሞክራሲ ክዕብልል ከምዘይግብኦ የነጽሩ። ስለዚ ስነ ምግባራዊ ቀጥዕን ሰብኣዊ ማእከልነትን ወሳኒ ከምዝኾነ የስተምህሩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.