2012-08-09 13:19:49

ብፁዕ ኣቡነ ሚትዙዋኪ ታካሚ፦ ጃፓን ብዛዕባ ጉዳይ ናይ ኑክሊየር ማእከል ኣመለኻኽታ ጀርመን ክትክተል


ዕለት 6 ነሐሰ 1945 ዓ.ም. ኣብ ሂሮሽማ ቀጺሉ ዕለት 9 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. ኣብ ናጋሳኪይ ናይ ኣቶሚክ ቦምቢ መጥቃዕቲ ዝወረደሉን በሸሓት ዝ ቝጸሩ ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ዘቓልዔን RealAudioMP3 ቀጻሊ ኣብ ሕይወትን ከባብን ከቢድ ሳዕቤን ዘሕደረ ምዃኑን እንክፍለጥ ኣብዚ እዋን እቲ ሓደጋ ዝወረደሉ ዝኽሪ ምበል 67 ዓመት ብዝተፈላለዩ ናይ ሕይወት ባህሊ ብዘነቓቕሑን ነቶም ዝወደቑን ንምዝካር ብዝዓርጉ መስዋዕተ ቅዳሴታትን ጸሎትን ናይ ኣቶሚክ ቦምብ ሳዕቤናቱ ዝገልጹ ምርኢት ብምቕራብ ይዝከር ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ናይ ኣቢያተ ክርስያንን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ኣቡነ ፒየር ልዊጂ ቸላታ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገን እዚ መበል 67 ዓመት ተዘክሮ ድሕሪ እቲ ኣብ ፉኩሺማ ኣብ 2011 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ዝተኸስተ ናይ ኑክሊየር ሓደጋ ጃፓን ብዛዕባ ናይ ኑክሊየር ማእከላታ ሕቶ ከተቕርብ ከምዘገደዳ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዝገበሩ ናይ ናጋሳኪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሚዟኪ ታካሚ ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጃፓን ናይ ኑክሊየር ማእከላት ዝቃወምን ክውገድ ዝሓትት ሕዝባዊ ምንቅስቓሳትን ነዚ ዘተባብዑ መደባትን ከምዝረኣይን፣ ኣብ ዝቐልጠፈ ሓጺር እዋን ጃፓን እትኽተሎ ናይ ኑክሊየር መደብን ማእከላታን ከተወግድ ኣሸጋሪ እውን እንተዀነ ኵይኑ ግን መንግስቲ ጃፓን ነቲ ጀርመን ናይ ኑክሊየር ማእከላታ ንምውጋድ ወሲኑ ዘበገሶ ከይዲ ከም ኣብነት ክስዕቦ ተስፋ እገብር ኢሎም።
ሓደ ናይ ኑክሊየር ማእከል ተምሳል ሓደ ኣቶሚክ ቦምቢ እዩ፣ ናይ ኑክሊየር ጸዓት ንመዓላ ብሔር ክትጥቀመሉ ዝከኣል እዩ፣ ኰይኑ ግን እዚ መደብ ኑክሊየር ዘለዎ ዕቑር ሓይሊ ሓደጋ ዘወግድ ኣይኰነን፣ ስለዚህ ጃፓን ኰነ ካልኦት ሃገራት ንሓይሊ ኑክሊየር ዝትክእ ተፈጥሮኣዊ ጽዓትን ናይ ተፈጥሮኣዊ ጽዓት ኢደ ጥበብ ከማዕብላን ይግባእ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.