2012-08-09 13:21:23

ሶማሊያ፣ ቀዳማይ ዓመት ሓርነት ሞቓድሾ


ዕለት 6 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ሞቓድሾ ካብቲ ኣል ሻባብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኢድ ዓመጽያን ኢስላማዊ ሓይሊ ናጻ ዝወጻትሉ ዕለት ምዃኑ እንክንገር፣ ቅድሚ ትማሊ ቀዳማይ ዓመት ሓርነት RealAudioMP3 ሞቓድሾ ተዘኩሩ ከምዝወዓለን፣ በታ ዕለት ምኽንያት ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ተኸታታሊ ጉዳይ ሶማሊያ ድርገት ሊቀ መንበር ቡባካር ዲያራ ኣብ ሶማሊያ ሰላም ንምርግጋጽ ንዝግበር ጻዕሪ ሓይሊ ዝህብ ዕለት እዩ ቢሎም መደባት መረጋገጺ ሰላም ክበራታዕ ከምዘተሓሳሰቡ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ናይ ሶማሊያ ብሔራዊ ሓይሊ ምክልኻልን ብናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማሊያ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ተደጊፎም ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ካብቲ ኣብ ሶማሊያ ናይ ኣልቃይዳ የማናይ ኢድ ዝበሃል ኣል ሽባብ ናጻ ዘውጽኡላ ዕለት ምዃና ናይ ሶማሊያ ርእሰ ብሔር ሼክ ሻሪፍ ኣህመድ ገሊጾም፣ ቀጺሎም ዕለት 1 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ዝጸደቐ ሓድሽ ቅዋም ሃገረ ሶማሊያ ዘኪሮም ዝተረጋገጹ መንቀሊ ብሩህ ለውጢ ተበጽሖታት ዝነኣድ እዩ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.