2012-08-09 13:16:52

ሊቢያ
ብፁዕ ኣቡነ ማርቲነሊ፦ ፈላሚ ሓድሽ መገዲ


ድሕሪ እቲ ናይ ገዳፊ መግንስቲ ስልጣን ተረኪቡ ዝነበረ ብሔራዊ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ትማሊ ዕለት 8 ነሓሴ 2012 ዓ.ም. ብሕዝቢ ድላይ ንዝተመርጸ ሕዝባዊ ባይቶ ስልጣን RealAudioMP3 ከምዘረከበ እንክምልከት፣ እዚ ዕለት 7 ሓምለ 2012 ዓ.ም. ብዴሞክራሲያዊ ስልቲ ዝተመረጸ ሕዝባዊ ባይቶ ምዃኑ ዝዝከር ኰይኑ፣ በዚ ሓድሽ ዴሞክራሲያዊ ከይዲ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ናይ ለውጢ ሰውራ ካብ ዝተባርዐላ ዕለት 17 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝቖመ ናጻ ወለዶ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ዘይመንግስታዊ ምንቅስቓስ ዘነቓቐሖ ናይ ሽግ ዑደት ምእንቲ ብሔራዊ ዕርቂ ከምእተፈጸመን በዛ ዓባይ ናይ ኣብ ሊቢያ ለወጢ ዕለት ምኽንያት ናይ ትሪፖሊ ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ኢኖቸንዞ ማርቲነሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መልልስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊቢያ ለውጢ ይረጋገጽ ከምዘሎ ንዓለም ዝምስክር ምርግጋእ ሰፊኑ ኣሎ ቢሎም፣ ኰይኑ ግን እዚ ሓድሽ ለውጥን ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ዴሞክራሲያዊ ኵነትን ገና ኣብ ምጅማር ከምዘሎ ሕዝቢ ሊቢያ ዝግንዘቦ ምዃኑ ዝሕብር እዩ። ከምዚ ብምዃኑ እውን ብሓቂ እቲ ዘሎ ኵነት እወታዊ ሓጎስ ዝረኣየሉ ኮይኑ ኣሎ።
ፍልልይ ባህርያዊ እዩ፣ ከምዘየለ ገርካ ምሕሳብን ምሕካኹን እውን ዝከኣል ኣይኮነን፣ ኰይኑ ግን እቲ ፍልልይ ሓድነት ዘዐውት መታን ክኸውን ዘተባብዕ ብርቱዕ ሕዝባዊ ድላይ ኣሎ። ስለዚህ እቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ሓደ ኣዋጅ ዘይኰነስ፣ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ሚዛንነት ሃገር ክውን ክኸውን ብቝዓት ኣካላትን ናይ ሓባር ረቛሒታት ዘረጋገጾ ሕዝባዊ መረጻ ዝተበገሰ ሓደ ነዊሕ ተመክሮ እዩ ምስ በሉ፣ ሊቢያ እትነብሮ ዘላ እዋን ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ሕዝብን ሃገር ዘሳቐየ ጸበባ ናጻ ናይ ምውጻእ ዓቢይ ድላይ ዝረኣየሉን ሓደስቲ ተበግሶታት ዝነቓቕሓሉ እዋን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.