2012-08-08 10:17:05

ሐዋርያዊ ዑደት ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ሊባኖስ ፓትርያርካት ማእከላይ ምብራቅ ፡


ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 14 ክሳዕ 16 አብ ሊባኖስ ሐዋርያዊ ዑደት ክገብሩ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ይዝከር ። ናይ ማእከላይ ምብራቅ አብያተ ክርስትያናት ፓትርያርካት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ብድሐን ምጹ መልእኽቲ ከም ዘተሐላለፉ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።

ድሕሪ 15 ዓመታት ሐዋርያዊ ዑደት ሊባኖስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ እዚ በነዲክቶስ ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ታሪካዊ ከም ዝኾነን እዚ ሰላም ዝተሐረሞ ከባቢ”ዚ ሰላም ክረክብ ተወሳኺ

ድፍኢት ዝህብ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ፓትርያርካት አብያተ ክርስትያናት ማእከላይ ምብራቅ ዘተሐላለፍዎ መልእክቲ ከም ዘገንዝብ ተገሊጹ ።

እዞም ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ሊባኖስ ሰላምን ምርግጋእን አብ ማእከላይ ምብራቅ ከምጽእ ሃረርታ ከም ዘለዎም ዝገለጹ ፓትርያርካት ፡ ናይ ማሮናዊት ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ በቸራ ቡጥሮስ ራይ ፡ ፓትርያርክ አርመን ነርሰስ በብሮስ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ናይ ሥርዓተ አምልኾ ላቲን ፎዓድ ጥዋል፡ ናይ ባቢሎን ዘ ካልደይ ፓትርያርክ ኤማኑኤል ደሊ ናይ መልቂጣ ፓትርያርክ ግርጎርዮስ ሳልሳይ ፡ ናይ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ አንባ ቡሎስ ናጂብ ፡ ናይ አሲሪ ፓትርያርክ ኢግናስ ዩሱፍ ዩናን ሳልሳይ ከም ዝኾኑ እዚ ኣአብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።

ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ምትሕብባር ንግደት ክተካይዱን ንህዝቢ ማእከላይ ምብራቅ ከም ትርሕርሕሉን ክትምስክሩን ንሊባኖስ ትመጹ አለኹም”ሞ አቀዲመ ልባዊ ምስጋና የቅርበልኩም ብማለት አብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊት ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ በቸራ ቡጥሮስ ራይ መልእኽቲ ከም ዘገንዘበ ክአ ተፈሊጡ አሎ ።

ብሐፈሻ ኩሎም ፓትርያርካት ማእከላይ ምብራቅ ንሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ አብ ሊባኖስ ብሃረርታ ከም ዝጽበይዎን እዚ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ አብቲ ዞን ክሊ ማእከላይ ምብራቅ ንሰላም አስተዋጽኦ ክገብርን ተስፋ ከም ዘለዎም አገንዚቦም።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.