2012-08-08 10:10:24

ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ንጉባኤ ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ መልእኽቲ ሰዲዶም ፡


እቲ ብፈረሰኛታት ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ ዝፍለጥ ተቅዋም ሎሚ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ አብ ካሊፎርኒያ አብ አንሃይም ዝተባህለ ቦታ ዋዕላ ከም ዝጀመረ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን አፍሊጡ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብብጹዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ አቢሎም ነቲ ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ ዘተሐላለፍዎ መልእኽቲ ክፍሊ ማሕተም ቅድስት መንበር ከም ንንባብ አብቂዕዎ አሎ ።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንምሕበር ኮሎምቦ ዘተሐላልፍዎ መልእኽቲ ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ ዘግህዶ ምስክርነት እምነት ዘበራትዕ ከም ዝኾነ ካብቲ አብ ክፍሊ ማሕተም ዝወጸ መልእኽቲ ንምርዳእ ተኻኢሉ አሎ ።

አብዚ እዋን”ዚ አብ ሕቡራት ሀገራት ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘፈልጥ መልክዑ ጸረ ነፃናት ቤተ ክርስትትያን ምንቅስቃስ ክካየድ ይርኤ ከም ዘሎ እቲ መልእኽቲ አገንዚቡ ።

እዚ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ አብ ካሊፎርኒያ አብ አንሃይም ዝተባህለ ቦታ ዚካየድ ዘሎ ዋዕላ ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ መበል 130 ከም ዝኾነ ይፍለጥ ።

እቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዋዕላ ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ ዝልአኽዎ መልእኽቲ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ አብ ነፃነትን ፍትሕን ዝተመሥርተት ሀገር ከም ዝኾና ብምዝኽካር አባላት ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ ነፃነት እምነት አብ ምሉእ ሀገር ክሰፍን ብዘይ ምስልካይ ክሰርሑ አተሐሳሲቡ። ሐዲሽ ትውልዲ አመሪካ እዚ ንምሥረታ ሕቡራት ሀገራት ዓንደ ሕቆ ዝኾነ ነፃናትን ፍትሕን ክዕቅቡ ትምህርቲ ክውሃቦም ከም ዘድሊ ክአ እቲ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አገንዚቡ አሎ ።ካቶሊካዊ ማሕበረ ሰብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ነቲ አብታ ሀገር ዝርኤ ዘሎ ምግዳብ ነፃነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክምክቶ ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ ከይሰልከየ ከም ዝፅዓረን ይጽዕር ከም ዘሎን ክአ እቲ መልእኽቲ በነዲክቶስ አዘኻኺሩ ። አብ ርእሲ”ዚ ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ መሠረታዊ መሰል ነፃነት ቤተ ክርስትያን ምስክርነት ህዝባዊ ሞራልን ከም ዝተኸላኸለን እቲ መልእኽቲ ጠቂሱ አመስጊኑ ።ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ሐዋርያውነት ምእመናን ክኽሰት ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዘካይድ እቲ መልእኽቲ ጠቂሱ ፡ ሐዋርያውነት ምእመናን ነቲ ቤተ ክርስትያን አብ ጉዳይ ህዝቢ ንኸይትዋሳእ ዝፅዕት ዘሎ ዓለማውነት ዝብድህን ዝምክትን ከም ዝኾነ ዘመልከተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ አብ ካሊፎርንያ አብ አንሃይም ዝተባህለ ቦታ ዚካየድ ዘሎ ዋዕላ ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ ዝልአኽዎ መልእክቲ አመስጊኑ ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ብጹዓን ጳጳሳት ዝሐለፈ ወርሒ 19 ጥሪ አብ ቫቲካን ቪሲታ አድሊሚና ሐዋርያዊ ምብጻሕ አብ ዘካየድሉ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሐዋርያውነት ምእመናን ማለት ህንጸተ ምእመናን ፍጹም አድላዪ ከም ዝኾነ አተሐሳሲቦሞም ከም ዝነበሩ ይዝከር ።

ኩሎም አባላት ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ አብ ክርቶስ ዘለዎም እምነትን ንቤተ ክርስትያን ዘለዎም ፍቅርን ክምስክሩ መልእኽቲ ዜና ሰናየ ቅዱስ ወንጌል ንዓለም ከብጽሑ ፡ ትሑዛት ከም ዝኾኑ ቅዱስ አቦና በነዲክቶስ ንዋዕላ ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ ዝልእኽዎ መልእክቲ አመልኪቱ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ ዓመተ እምነት ከም ዝእወጅ ዘኪሮም ፡ ምእንት አባላት ማሕበረ ሰብ ኮሎምቦ እምነቶም ከጽንዑ ከም ዝጽልይሎም አብቲ ነቲ ዋዕላ ማሕብረ ሰብ ኮሎምቦ ዝልእኽዎ መልእክቲ አውኪኦም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 35 ዓመት ሲመተ ጵጵስና ከም ዘኽብሩ ክዝከር ከሎ አባላት ማሕበረ ሰብ ምእንቲ”ዚ ከም ዝጽልዩ ዝሀብዎ መግለጺ ዘኪሮም ማሕብረ ሰብ ኮሎምቦ አብ ተካኢ ቅዱስ ጰጥሮስን አብ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ዘለዎ እምነት ዘረጋግጽ ምልክት ምትሕብባር መንፈሳውነትን ሕያውነትን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ነቲ ማሕበረ ሰብ አመስጊኖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.