2012-08-05 12:43:13

ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ሩስያ፡


ናይ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ቅዱስ ሲኖዶስ አብ ገዳም ኡክራይን ተጋቢኡ ከም ዝነበረ ክምልከት ከሎ ፡ ርክብ ቤተ ክርስትያንን ቤርጌሳዊ ሕብረተ ሰብን ፡ ርክብ ቤተ ክርስትያን ምስ ወጻኢ ዓለምን ዘተኮረ ግባኤ ከም ዝነበረ ተነጊሩ ።

እዚ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሩስያ ብናይታ ሀገር ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል ከም ዝተመርሔ ተፈሊጢ አሎ ።

ዝሐለፈ ወርሒ ሰነ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪልፓትርያርክ ሞስኮን ሩስያን ንኦርቶዶክስ ቆጵሮስ በጺሖም ከም ዝነበሩ ክዝከር ከሎ ህሉው ርክብ ክልቲኤን አብያተ ክርስትያናት ዘተኮረ ጸብጻብ ነቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ዝገለጽሉ ይምልከት ።

አብ ቤተ ክርስትያን ሩስያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ አውራ ሐላፊ ሜትሮፖሊታ ሂላርዮን ክአ ብወርሒ ሰነ አብ ህዝባዊት ቺና ዘካየድዎ ዑደትን ውጽኢቱን ብዚምልከት ነቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ዝገለጹ ተገሊጹ ።

ብ19 ሰነ አብ ቺና ርእሰ ከተማ በይጂንግ ርክብን ምትሕብባርን ሩስያ ቺና አብ ዙርያ ሃይማኖት ዘተኮረ አኼባ ተካይዱ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሜትሮፖሊታን ሂላርዮን ብዛዕባ”ቲ አብ ሞስኮ አብ ሞንጎ ስበ ስልጣናት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሩስያን መራሕቲ ሃይማኖት አስላም ኢራንን ዝተኻየደ ሃይማኖትን መሰል ሰባትን ዝተሰየመ ዋዕላን ውጽኢቱን ንቅዱስ ሲኖዶስ መብርሂ ከም ዝሀቡ ተፈሊጡ አሎ፡ ናይ ኡክራይን ቢየሎ ሩስያ ናይ መቀዶንያ ናይ ካዛ ኪስታስን ኡዝበ ኪስታንን ሚትሮፖሊታናት አብቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ተሳቲፎም ከም ዝነበሩ ይምልከት ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.