2012-08-05 12:12:22

. ባየሪሸ ምሸት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሐለፈ ወርሒ ሚያዝያ 19 መበል 85 ዕለተ ልደቶም ከም ዘኽበሩ ይዝከር ።አብ ጀርመን ሰበኻታት ምዩኒክን ፋራሲንግን ብምኽንያት ዕለተ ልደት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ምሸት አብቲ ቅዱስ አቦና በነዲክቶስ አብ ዕረፍቲ ዝርከብሉ ካስተል ጋንዶልፎ መካነ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሙዚቃ ጥዕይንት አርእዮም።

አብ ዝሐለፈ ወርሒ ሚያዝያ ቁሩብ መዓልታት ቅድሚ ዕለተ ልደት በነዲክቶስ ካብ ደቡባዊ ጀርመን ክፍለ ሀገር ባይርን ዝመጸ ልዑካን ጉጅለ አብ ቫቲካን ተረኺቡ ንቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንቋዕ አብጻሐኩም ከም ዝበለን ክአ

ናይ ባየርን ትዕንተ ሙዚቃ ከም ዝተራእየን ይዝከር ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዜጋ ጀርመን አብ ደቡባዊ ጀርመን አብ አውራጃ ባየርን ከም ዝተወልዱ ከም ዝኾኑን ይፍለጥ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ ካብቲ ዝተወልድሉን ዝዓበይሉን ዝተማህርሉን ዝማሀርሉን ክህነት ዝተቀበልሉን ንሐሙሽተ ዓመታ ሊቀ ጳጳሳት ኰይኖም ሐዋርያዊ አገልግሎት ዘበርከትሉን ሰበኻ ዝመጸ ልዑካን ጉጅለ ፡ አብ ዝገበርዎ ዲስኩር ፡ ባየርን ልቢ ክርስትያንን ካቶሊክን ኢዩ ።

አውራጃ ባየርን ኩሉ ግዜ አብ ገዛእ ርእሳ ትተአማመን ምዕብልትን መንእሰይን ኢያ ። አብአ ማለት አብ ባየርን ዘሕልፍክዎ ሕይወት ብምልኡ ይዝከረኒ ።

እዚ ብባህላዊ አልባሳት ዓደይ ዝተሰነየ ጥዕይንተ ሙዚቃ ክአ መሊሱ ክሉ የዘኻኽረኒ እሞ ምስጋናይን ሐጎስን ወሰን የብሉን እግዚአብሔር ይባርኩም ሰናይ ርኽቡ ብማለት ነቲ ካብ ባየርን ዝመጸ ብሕደ ሺሕ ሰባት ዝቆመ ዓቢ ጉጅለ አመስጊኖምን ወዲሶምን ።

ነቶም ነቲ ልዕካን ጉጅለ መሪሖም ዝመጹ ንናይ ምዩኒክን ፍራይሲንግን ሊቀ ጳጳሳት ንብጹዕ ካርዲናል ራይንሀንድ ማርክስ ክአ ብፍላይ አመስጊኖሞም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነዊሕ ዓመታት አብ ሮማ ስለ ዝተቀመጡ ሮማዊ ኢዮም ናይ ዓለም ለኻዊት ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዜጋን መራሕን ኢዮም ግን ናይቲ ዝተወልዱሉ ዝዓበይሉ ባህሊ ጽቡቅ ጌሮም ስለ ዝፈልጥዎ ክናፍቅዎ ክአ ስለ ዝኽእሉ ሐደ ምሸት ክነዘናግዖም ዘቅረብናዮ ሐሳብ ተቀባልነት ረኺቡ ዕዉት ስለ ዝኾነ ተሐጒስና ብማለት ናይ ምዩኒክን ፍራይሲንግን ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ራይንሀርድ ማርክስ ድሕሪ”ቲ ትዕንተ ሙዚቃ ገሊጾም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.