2012-08-04 11:22:01

ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ።


እዚ ዕለት’ዚ ቤተክርስትያን: ናይ ቅ.ኣልፎንሶ በዓል ትዝከረሉ መዓልቲ እዩ፣ ቅ. ኣልፎንሶ ዘማርያም ደ ሊጎሪ ኣቡንን ሊቅ ቤተክርስትያን ኮይኖም: ብስም ማሕበር ረደንቶሪስትስ ዝፍለጥ ማሕበር ናይ መድሓኒ ዝመሥረቱ አዮም፣ ኣብ ርእሲ እዚ ጠበቓ ናይ ተመሃሮ ንባበ መለኮትን ስነ ምግባርን(ሞራል): ከማኡ እውን ናይ ኣናዘዝቲ (ካህናት) ጠበቓ እዩ፣ ቅ.ኣልፎንሶ ሓደ ካብቶም ናይ 18 ክፍለ ዘመን ውሩያት ቅዱሳት ሓደ አዩ፣ ውሩይ ካብ ዝገብርዎ ክእለታት: ኣብቲ ግዜ እቲ ጃንሰኒዝም ዝብሃል ግጉይ ትምህርቲ ዝገነነሉ ስለዝነበረ ንሱ በቲ ገርሀይናን ቅፅበታውን ኣመሃህራኡ ብዛዕባ ምስጢረ ንስሓ ዘቕረቦ ዓንቀጸ ሃይማኖታዊ ትምህርትን ንኹሉ ዝርዳእ ብምንባሩ ኢዩ፣ RealAudioMP3
ኣብ ምዕዳል ምስጢረ ንስሐ ንዝተጸምዱ ካህናት ከኣ “ንዝተጣዕሰ ውሉድ ንምቅባል ናይ ዘይደክም ኣምላኽ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ዘርእዮ ኢዱ ዘርጊሑ ናይ ምቕባል ትስሕጓስ ከርእዩ” ሓደራ ይብሎም ነበረ፣
ናይ ሎሚ ዝኽሪ በዓል ቅ. ኣልፎንሶ ብዛዕባ ጸሎት ዝመሃሮ ዓሚቁ ትሕዝቶን መንፈሳዊ ሃብትን ንዘለዎ ትምህርቱ ክንምልከት ዕድል ይህበና፣ ብ1759 ዓ.ም. ቅ. ኣልፎንሶ ባዕሉ ካብ ካልእ ጽሑፋቱ ብጣዕሚ ጠቃሚ ኢሉ ዝሰምዮ “ዓብይ ናይ ጸሎት መጋበሪ” ዘርእስታ መጽሓፍ ደሪሱ፣ ኣብ’ዚ መጽሓፍ እዚ ቅ. ኣልፎንሶ ብዛዕባ ጸሎት ከምዚ ይብል “ጸሎት ማለት ድሕነትን ንድሕነት ንምርካብ ዘድልዩ ጸጋታትን ንምርካብ ዝጠቅመና ኣድላይን ርግጸኛን መጋበሪ እዩ፣” ብማለት ይገልጾ፣ ቅ. ኣልፎንሶ ብዛዕባ ጸሎት ዘስተምህሮ ኩሉ ኣብዛ ምሉእ ሓሳብ እዚኣ ተጠቅሊሉ ይርከብ፣
ልዕሊ ኩሉ እግዚኣብሔር ብፍቅሪ ተደሪኹ ምልኣት ሕይወት ከሳትፎን ቢሉ ንወዲ ሰብ ምስ ፈጠሮ፤ እዚ ምልኣት ሕይወት እዚ ግን ኩልና ከም ንፈልጦ ብምኽንያት ሓጥያት ተዘሪጉ ክብሃል ይከኣል፣ ነዚ ዝጠፍኤ ምልኣት ሕይወት: ብቐሊሉ ክመልሰልና ዝኽእል ፀጋ ኣምላኽ ጥራይ አዩ፣
ቅ. ኣልፎንሶ ዕቤት ናይ ጸሎትን ድሕነትን ወዲ ሰብ ንኸረድእ ነዛ መሰረታዊትን ሓቐኛን ዝኾነት ቓል መዓልታዊ ኣዘራርባ ሓዘል ብዝኾነ ገርሀይና ቋንቋ ግን ከኣ ልዑል ትሕዝቶ ዘለዋ ብምጥቃም ከምዚ ይብል “እቲ ዝጽሊ ክድሕን አዩ፤ እቲ ዘይጽሊ ግን ክኹነን አዩ፣” ኣብዘን ቃላት እዚኤን ብምትኳር ክትንትነን አንከሎ ከምዚ ይብል። “ብዘይ ጸሎት ክትድሕን ማለት ጽንኩር አዩ: አኳ ደኣ ዘይከኣል እዩ። አናጸለኻ ምድሓን ግን እታ ዝቐለለትን ርግጸኛን መንገዲ አያ፣”
አንደገና’ውን ከምዚ ይብል “አንተዘይጸሊና ምኽንያት የብልናን፤ ምኽንያቱ ጸጋ ናይ ጸሎት ንኹልና ተዋሂቡና አዩ። እንተዘይድሒና ጉድለት ናትና አዩ። ምኽንያቱ ኣይጸለናን”፣ ከም ኣገላልጻ ቅ.ኣልፎንሶ ጸሎት እቲ ዝዓበየ ናይ ድሕነት መጋበሪ ምዃኑ እናገለጸልና ኣብ ሕይወትና ከጋጥሙና ዝኽእሉ ኩነታት ማለት ኣብ ግዜ ፈተናን ጸገምን ብእምነት ኣብ ማዕጾ ኣምላኽ ክንኩሕኩሕ የድሊ ይብል፣
ዝኸበርኩም፤ ሕመረት ሕቶና “ኣብ ሕይወተይ አቲ ብሓቂ ኣድላዪ ዝኾነ ጉዳይ አንታይ እዩ፧” ዝብል እዩ፣ “ጥዕናን ንኣኣ ዘድሊ ኩሉ ጸጋታትን” እናበልኩ ምስ ቅ.ኣልፎንሶ ኮይነ እምልሳ፣ ቅ. ኣልፎንሶ ኣዚያ ኣገዳሲ ዝኾነት ናይ ቅ.ፍሊጶስ ነሪ ኣብነት እናጠቀሰ ከምዚ ይብል
“ ፊሊፖ ነሪ ንግሆ ካብ ድቃሱ ክበራበር እንከሎ ’ጎይታይ ኣእዳውካ ኣብ ልዕሊ ፍሊጶስ ኣንብር: አንተዘይኮነ ፍሊጶስ ክኽሕደካ ይኽእል እዩ:” ሓቀኛ ራኢ ስለ ዝነበሮ ንኣምላኽ ኢዱ ከንብረሉ ይሓትት፣ ንሕና‘ውን ድኻምነትና ብምርዳእን ኣብ ሃብቲ ምሕረቱ ብምትእምማንን ብትሕትና ሓገዝ ኣምላኽ ክንሓትት ይግባእ፣
ቀጺሉ ከኣ ቅ.ኣልፎንሶ ከምዚ ይብል “ንሕና ብኹሉ ድኻታት ኢና እንተለሚናዮ ግን ኣምላኽ ሃብታም ክንዲ ዝኾነ ተሳተፍቱ ናይ ሃብቱ ይገብረና” ንሓሳብ ቅ. ኣጎስጢኖስ ተመርኩሱ ከአ “ካብ ጸጋ ኣምላኽ ምቅባል ኣይተድሓርሕሩ ምኽንያቱ ሠናይ ንምግባር ነቲ ብትሕትና ዝልምኖ ኣምላኽ ሓገዙ ኣይበቀሉን እዩ፣” እንደገና’ውን ክምዚ ይብል “እንተዘይጸለና ምኽንያት የብልናን ስለምታይሲ’ ጸጋ ናይ ጸሎት ንኹልና ተዋሂቡ እዩ፣ እንተዘይድሕና ጉድለት ናትና እዩ፣ እቲ ምንታይሲ ኣይጸለናን”፣ ከም ኣገላልጻ ቅ. ኣልፎንሶ ጸሎት እቲ ዝዓበየ ናይ ድሕነት መጋበሪ ምዃኑ እናገለጸ ኣብ ሕይወት ከጋጥሙና ዝኽእሉ ኩነታት ማለት ኣብ ግዜ ጸገምን ፈተናን ብእምነት ኣብ ማዕጾ ኣምላኽ ክንኩሕኩሕ የድሊ ይብል፣
ዝኸበርኩም፧ ቅ. ኣልፎንሶ ኣብ ሕይወትና እቲ ቀንዲ ውራይ ምስ ኣምላኽ ምርኻብ ምዃኑ የዘኻኽረና፣ ምስ ኣምላኽ ምርኻብ ምስ ዝጎድል መሰረታዊ ዝኾነ ነገራት ይጎድለና፣ ብዕለታዊ ናይ ግልና ጸሎትን ምስጢራት ብምስታፍን ምሳኡ ብምውሳእ ክውን ይኸውን። በዚ መንገዲ’ዚ እውን እዚ ርክብ እዚ ኣብ ሕይወትና ከዓዝዝን ክዓብን ይኽእል፣ በዚ ከኣ ወላ’ውን ኣብ ማእከል ጸገማትን ሓደጋን ንሕይወትና ዘብርህን ርግጽነት ሂቡ ብሰላምንምንባርን ንጉዕዞ ሕይወትና ዘቕንዕ መለኮታዊ ሕላዌኡ ኣባና ከዓቢ ይኽእል፣








All the contents on this site are copyrighted ©.