2012-08-04 12:41:45

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ናብ መራሕቲ ሃይማኖት


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አብ ጃፓን ጥቃ ከተማ ክ ዮቶ አብ እምባ ህየይ ተጋቢኦም ንዘለው መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ምሉእ ዓለም ም እንቲ ሰላም ንዝገብርዎ ጸሎትን ጻዕርን እተበራትዕ መልእኽቲ ብዋና ጸሐፊ ቅድስት መንበር ብጹዕ ካርዲናል ታርቸዝዮ በርቶነ አቢሎም ሰዲዶም፣
እዚ ንመበል 25 ጊዜ ዝካየድ ዘሎ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ምሉእ ዓለም ም እንቲ ሰላም ኃቢሮም ዝጽልዩሉን ዝዋስ ኡሉን አገባብ ሎም ዘመን አብዚ ላዕሊ ዝተጠቅሰ እምባ ዝግበር ኮይኑ እዚ እምባ እዚ ገዳም ናይ ቡድሂስታ ተንዳይ ኢዩ፣ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ናብ ናይዚ ምንቅስቃስ እዚ መራሒ ኮጁን ሃንዳ ዘቅነዔት ኮይና፤ ትማሊ ንግሆ አብ ማእከል ጉባኤ በቶም ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ወኪሎም አብቲ ጉባኤ ዝርከቡ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽቲ ንዘተ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዋና ጸሓፊ ነበር ብጹዕ አቡነ ፒየር ልዊጂ ቸላታ አንበብዋት፣
ቅዱስነቶም አብ መልእክቶም አብ ህየዛን ንዝተጋብኡ መራሕቲ ሃይማኖት “ብመንፈስ ናይቲ ብ1986 በብጹዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ አብ አሲዚ ዝተመሥረተ ታሪኻዊ ርክብ” ሰላምታይ አቅርብ እንክብሉ ሓጎሶምን ሕውነቶምን ገሊጾም፣ እዚ ጉባኤ እዚ አብ እምባ ህየይ ንኽግበር እቶም አባላት ንዝገበርዎ ጻዕሪ ብምምስጋን ከአ ሳላ እዚ ጉባኤ እዚ ዓመት ዓመት አብ መንጎ ዝተፈላለየ አተሓሳስባ ዘለዎም ደቂ ሰባት ዘተ ንኽካየድ ዓቢ አስተዋጽ ኦ ከምዝገበረ አመልኪቶም፣
እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ከአ አብዚ ግዜና ዘጓንፍ ዘሎ ዝተፈላለየ ባህርያውን ሰብ ሰርሖን ዕንወት ፍታሕ ንምርካብን ነንሕድሕድካ ንምትሕግጋዝን ንምትሕብባርን ዘኽ እል ኩነታት ክፍጠር ዘሎዎም ተስፋ ብምግላጽ መርገጽ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትስያን በቲ ን እንኮ ወዱ በጃ ክሳብ ምሃብ ን ዓለም ዘፍቅረ ፍቅሪ እግዚአብሔር ተደፊ እና ንኩሉ ምናዳኸአ ነቶም ዝሳቀዩ ፍቅርኻ ምውፋይ ኢዩ ብማለት አነጺሮም፣ አብ መደምደምታ መል እኽቶም እቲ ቅድሚ ዓመት ንሃገረ ጃፓን ዘጋጠመ ብርቱ ዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሱናማን ንዘስ ዓቦ ህልቂትን ዕንወትን ንምሕዋይ እዚ ጉባኤ እዚ መንፈስ ምትብባዕን ጽን ዓትን ምትሕግጋዝን ክፈጥር ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.