2012-07-26 16:20:10

ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ናይ ሐዘን ተለግራም ንኩባ ልኢኾም ፡




ናይ መንግስቲ ኩባ ተቃዋሚ ዝነበሩ ኦስቫልዶ ፓያ ሳርዲኛስ አብ ጥቃ ሳንትያጎ ደል ኩባ ባያሞ ዋና ከተማ ግራንማ ብሐደጋ መኪና ሕይወቶም ከም ዝሐለለፈ ካብ ሃቫና ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

ኦስቫልዶ ፓያ ሳርዲኛስ አብ ቁም ነገር ተመርኲሶምን ብቁም ነገርን ጸረ መንግስቲ ፊደል ካስቶር ዕቱም ተቃውሞ ዘካየዱ ዝነበሩ ተቀባልነት ህዝቢ ኩባ

ዝነበሮም ናይ ፖሊቲካ ሰብ ከም ዝኾኑ ተኒጊሩ ።

ኦስቫልዶ ፓያ ብ1988 “proyecto Vrela “ ዝተባህለ መደብ ሐንጺጾም ህዝቢ ኩባ አብ ሕጊ መንግስቲ ተመርኲሱ ንመንግስቲ ፊደል ካስትሮ ከውግድ ዓቢ ምንቅስቃ ከም ዘካየዱ ናይ 25 ሺሕ ህዝቢ ፊርማ አኪቦም ተሐድሶ ፖሊቲካ ክግበር ንፓርላማ ኩባ ከም ዝበድሁ ዝዝከር እዩ ።

ሕጊ መንግስቲ ኩባ ዓንቀጽ 88 ፓርላማ ናይ 10 ሺሕ ህዝቢ ፊርማ ተቀቢሉ አብ ግብሪ ከውዕል እኳ ዝሐትት እንተኾነ ፓርላማ ኩባ ናይ 25 ሺሕ ህዝቢ ፊርማ ከም ዝተሐስሞ ይዝከር።

ኦስቫልዶ ፓያ ካብ ወጻኢ ሀገራት ካብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ወይ ክአ ካብቲ አብ ማያሚ ዝነብር በሐት ዝቁጸር ማሕበረ ሰብ ኩባ ሐገዝ ከይሐተቱ ተሀድሶ ፖሊቲካ በቲ አብ ውሽቲ ሀገር ዘሎ ህዝቢ ክመጽእ አለዎ ዝብል እምነት ዝነበሮም ናይ ፖሊቲካ ሰብ ከም ዝኾኑ ይፍለጥ ።

አምባገነንት መንግስቲ ፊደል ካስትሮ ብጥብቂ ዝቅዋውሙ ዝነበሩ ኦስቫልዶ ፓያ ሳርዲኛስ ውሽታውን ሀገራት ሐቆፍ ሕግን አወሃሂዶም መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ኩባ ከም ዝተጋሰህን ነዚ ህዝቢ ኩባ ብቁራጽነት ክቃለሶ ንነዊሕ ዓመታት ተቃሊሶም ዝበዝሕ ህዝቢ አብ ጐድኖም ከም ዘሰለፉን ዝዝከር ኢዩ ።

ምንቅስቃስ ክርስትያናዊ ሐርነት ዝመስረቱ ኦስቫልዶ ፖያ ሳርዲኛስ ሐድነት ሀገር ክዕቀብ ሐርነት ነጻነት ህዝቢ ኩባ ንምርግጋጽ እናተቃለሱ ከለዉ አብ ጥቃ ባያሞ ብሐደጋ መኪና ክም ዝሐለፉን ህዝቢ ኩባ አብ ሐዘን ከም ዝወደቀን ካብ ሳንትያጎ ደ ኩባ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብሕልፈት ኦስቫልዶ ፓያ ሳርዲኛስ ከም ዝሐዝኑ ብምግላጽ ብመንፈስ አብ ጥቃ ስድራ ኦስቫልዶ ፓያ ሳርዲኛስ ከም ዘለዉ እግዚአብሔር ንነፍሲ ኦዝቫልዶ ፓያ አብ መንግስተ ሰማያቱ ክቅበላ ንስድራ መዋቲ ጽንዓቱ ክህቦም ከም ዝጽልዩ ጠቂሶም ፡ ንቤተ ክርስትያን ኩባ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዝልአኹ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አፍሊጡ ።

ናይ ሀቫና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ ምእንቲ መዋቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን አብቲ ቅዳሴ በሽሐት ዝቁጸር ህዝቢ ከም ዝተረኽበን ካብ ሀቫና ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

ብጹዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ ዘስምዕዎ ስብከት ኦስቫልዶ ፓያ ሳርዲኛስ አብ ክርስትያናዊ እምነት ተመርኲሶም ብመለኮታዊ ጽንዓት ተደጊፎም ንጹሕ ፖሊቲካዊ መምርሒ ዝኽተሉ ዝነበሩ ኩሉ ዘማልኡ ዜጋ ኔሮም ኢሎም ዝተሰምዖም ሐዘን ገሊጾም።

ኦስቫልዶ ፓያ ሳርዲናኛስ አብ መቃብር ኮሎን ዘ ሃቫና ሐመድ አዳም ከም ዝለበሱ ክምልከት ከሎ ኩሎም ደንበ ተቃወምቲ መንግስቲ ኩባ ከም ዝተረኽቡ ክምልከት ከሎ ፡ ጓል መዋቲ ሮዛ ማሪያ አቦኤን ብሐደጋ ምማቶም ከም ዝጠራጠራን ክጻረ ዘለዎ ጉዳይ ከም ዝኾነን ከም ዝገለጻ ካብ ሃቫና ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

ተቃወምት መንግስቲ ኩባ መንግስቲ አብ ሞት ኦስቫልዶ ፓያ ሳርዲኛስ ኢድ አለዎ ብማለት ተቅውሞ ከም ዘርአዩን ብዙሐት ከም ዝተአስሩን እቶም ንመንግስቲ ኩባ ብምቅዋም ዝፍለጡ ጉየሞ ፋሪናስ ካብቶም ዝተአስሩ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ ።

እተን ኩሎም እሱራት ፖሊቲካ ኩባ ነፃ ክወጹ ዝቀለሳ ዘለዋ አደታት ኩለን ጽዕዳ ተኸዲነን አብ ቀብሪ ኦስቫልዶ ፓያ ስራዲኛስ ከም ዝተረኽባን ቃልሲ ኦስቫልዶ ፓያ ከም ዝቅጽልኦ ከም ዘፍለጣን ክአ ተነጊሩ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.