2012-07-24 16:47:09

አብ እስራኤል ፡ ልኡካነ ወንጌል ደናግል ንአፍሪቃውያን አደታት ሰብአዊ ሐገዝ ይህባ ፡


 አብ እስራኤል ከተማ ተልአቪቭ ዝርከባ ደናግል ልዑከነ ወንጌል ነተን አብ ሲናይ በቶም ሕልና አልቦ ዝኾኑ ሰብ ክትብሎም ዘሸግር በድዊን ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓመጸኛታት ግዳይ ዝኾና አፍሪቃውያን አደታት ሰብአዊ ሐገዝ ይህባ ከም ዘለዋ ሚስና አገልግሎት አመልኪቱ።

አብ ተልአቪቭ ናይተን ግዳያት ዓመጽ በድዊን ዝኾና አደታት መውዕለ ሕጻናት ብምትካል 25 ሕጻናት ይኸናኸና ከም ዘለዋ ዜጋ ኤርትራ ኮቦናዊት ድንግል እናቴ ዓዘዘት ኪዳነ ንሚስና ከም ዝገልጻሉ ካብ ተልአቪቭ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ።

ኮምቦናዊት ድንግል እናቴ ዓዘዘት ኪዳነ በቲ አብ ሲናይ አብ ሽግር ንዝወደቁ አፍሪቃውያን ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ ንምሕጋዝ ዘርአይኦ ሰናይ ተግባር ዝሐለፈ ወርሒ ሰነ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ከም ዝተሸለማ ይዝከር ።

እዚ አብ ተልአቪቭ ዘሎ መውዕለ ሕጻናት አብ ጣልያን ናይ ፓዶቫ ካሪታስ ሐገዝን ምትሕብባርን ከም ዝቆመ ክምልከት ከሎ ንዋታዊ ሕገዝ ዘድልዮ ከም ዝኾነ ሚዝና ገሊጹ ።

እቲ አብ እስራኤል አብ ከተማ ተልአቪቭ ዝርከብ መዋዕለ ሕጽናት ካብ ዝሐለፈ ዓመት 2011 ጀሚሩ አደታቶም ግዳይ በድዊን ዝኾና ሕፃናት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ሱዳናውያን ከተአንግድ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ ።

አደታት ናይዞም አብ መዋዕለ ሕጻናት ዝርከቡ ሕጽናት አብ እስራኤል ናይ ፖሊቲካ ዑቅባ ዝሐተታ ከም ዝኾና ሚስና አፍሊጡ ።

እተን ደቀንስትዮ ካብ ምስሪ ንእስራኤል ክሰግራ ብበድዊን ተታሒዘን ዝተዓመጻን በዚ ኣአጸያፊ ተግባር”ዚ ሕልንኤን ዝቆሰላን ከም ዝኾና እናቴ ዓዘዘት ኪዳነ ከም ዝገለጻ ሚዝና አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

እተን ግዳይ ዝኾና አደታት አፍሪቃውያን አብ ሐደ African Refugee Devolopment center ማእከል ልምዓት ስደተኛታት አፍሪቃ ዝተባህለ ማእከል ተዓቂበን ከም ዘለዋን እቲ ማእከል በሽሐት ዝቁጸሩ ሐተቲ ፖሊቲካዊ ዑቅባ አፍሪቃውያን አዕቂቡ ከም ዘሎን ሚዝና አገልግሎት ዜና ካብ ተልአቪቭ አገንዚቡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.