2012-07-24 16:20:48

ሊባኖስ ፡ ሐዋርያዊ ዑደት ር ሊጳ በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝምጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ካብ ዕለት 14 ክሳዕ 16 መስከረም አብ ማእከላይ ምብራቅ አብ ሊባኖስ ሐዋርያዊ ዑደት ዘካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ይፍለጥ ።

ትማሊ አብቲ አብ ርእሰ ከተማ በይሩት ዝርከብ ካቶሊካዊ ማእከል ሐበሬታ ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ ዘተኮረ ዝርዝር መግለጺ ከም ዝተዋህበ ሲር አገልግሎት ዜና ንማእከል ሚድያ ፍራንቸስካን ጠቂሱ አመልኪቱ ።

ነቲ ዝርዝር መግለጺ ሐዋርያዊ ዑደት ሊባኖስ ዝሀቡ አብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብጹዕ አቡነ ጋብሪኤለ ካቺያ ሊቀ ጳጳሳት በይሩት ብጹዕ አቡነ ፓውል ማታር ከምኡ ክአ ኮሚቴ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝኾኑ ሲር አገልግሎት ዜና ማእከል ሚድያ አፍሊጡ ።ዋና ሐላፊ ኮሚቴ ሐዋርያዊ ዑደት ሊባኖስ በነዲክቶስ መበል 16 አባ ማርዋን ታበት ከም ዝኾኑ ይፍለጥ ።

ብሐፈሻ ህዝቢ ሊባኖስ ብፍላይ መንእሰያት ሐዋርያዊ ምብጻሕ በነዲክቶስ ሊባኖስ ብሀረርታ ይጽበይዎ ከም ዘለዉን ኩሉ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈን አባ ማርዋን ታበት ከም ዝገለጹ ክአ ተነጊሩ።

አወሃሃዲ ሐዋርያዊ ዑደት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ በይሩት ዘውሀኣህዱ ዘለዉ አባ ማርዋን ታበት ከም ዘመልክትዎ ፡ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሊባኖስ ብመንግስትን ቤተ ክርስትያን ሊባኖስን ብገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ዝህብዎ ገንዘብ ከም ዝሽፈን አፍሊጦም።

እዚ በነዲክቶስ አብ ሊባኖስ ከካይድዎ ብመደብ ተታሒዙ ዘሎ ሐዋርያዊ ዑደት አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ፍትሕን ክርከብ ክብ ዝበለ አስተዋጽኦ ከም ዝገብር ሕብረተ ሰብ ሊባኖስ ተስፋ ከም ዘለዎም ዘተሐላልፍዎ መልእኽተ ሰላም አብ ግብሪ ክውዕል ጻዕሪ ከም ዝግበር ሊቀ ጳጳሳት ሊባኖስ ብፁዕ አቡነ ፓውል ማታር መግለጺ ሂቦም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.