2012-07-23 10:03:35

ሐዋርያዊ ዑደት ር ሊ ጳ በነዲክቶስ አብ ሊባኖስ፡


ቅዱስ አቦኣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝምጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ካብ ዕለት 14 ክሳዕ 16 ዘሎ ግዜ አብ ማእከላይ ምብራቅ አብ ሊባኖስ ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ዝዝከር ኢዩ ። እዚ አብ ሊባኖስ ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ መበል 24 ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ይፍለጥ ።

ናይዚ በነዲክቶስ መበል 16 አብ ሊባኖስ ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ አውራ ዓላማ ናይቲ ዝሐልፈ ዓመት ጥቅምቲ ኣአብ ቫቲካን ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካውያን ማእከላይ ምብራቅ ውፅኢት ሐዋርያዊ ሞዻን ንምፍራም ከም ዝኾነ ቅድስቲ መንበር ዘውጽኤቶ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብ ሊባኖስ አውሃሃዲ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አባ ማርዋን ታበት ካብ በይይሩት ምስ ራድዮ ቫቲካን ክፍሊ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤመር ማከርቲ አብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ከም ዝመለከትዎ፡ ብሐፈሳሻ ህዝቢ ሊባኖስ ብፍላይ መንእሰያት ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ ብሃረርታ ይጽበ ከም ዘሎ ጠቂሶም ሰማንያ ካብ ሚእቲ ምስንዳው ከም ዝተገብረ ገሊጾም።

አብ ሊባኖስ ዝተፈላለየ ሥርዓተ አምልኾ ዝኽተላ ካቶሊካውያን አብያተ ክርስትያናት ከም ዘለዋ እተን አብያተ ክርስትያናት ማሮናዊት መልቂቲ ሲሮ አርመንያ ከም ዝኾና ክፍለጥ እንከሎ ካቶሊካውያን ዘይኮና ኦርቶዶክሳዊትን ፕሮተስታንት አብያተ ክርስትያናት ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

አብ ሞንጎ ክርስትያን ብፍላይ አብ ሞንጎ ካቶሊካውያን አብያተ ክርስትያናት ምውህሃድን ምትሕብባርን ከም ዘሎ አባ ማርዋን ታበት አብቲ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ አመልኪቶም ።

አባ ማራዋን ታበት አወሃሃዲ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሊባኖስ አተሐሒዞም ከም ዘመልከትዎ ፡ አብ ማእከላይ ምብራ ዝርከባ አብያተ ክርስትያናት ክርስትና አብ ማእከላይ ምብራቅ ገጢምዎ ዘሎ ሽግር ብሐባር ንምግታእ ቀጻልነቱ ንምውሐስ ከም ዝጽዕራ ነጊሮም ።

ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝተመደበ ዝመስል ክርስትና ካብ ማእከላይ ምብራቅ ንምጥፋእ እንተዘይተካእለ ክአ ውሑድ ህልውና ክርስትያን ክህሉ ዚካየድ ዘተቀደሰ ጻዕሪ ከም ዝርኤ ካአ ብሐዘን ገሊጾም።

ናይ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሐዋርያዊ ዑደት ሊባኖስ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ አብ ጐድኒ ኩሎም ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ከም ዘላ ዘረድእ ሰብአውን እምነታውን ክብሪ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ብዓለም ለኸ ደረጃ ክዕቀብ ከም ዘለዎ ዝእምትን ከም ዝኾነ አመልኪቶም።ክርስትያን አልቦ ማእከላይ ምብራቅ ማእከላይ ምብራቅ ክኸውን ከም ዘይክእል ክአ እተሐሒዞም አገንዚቦም።

ቅድስቲ መንበር ማለት ቫቲካን ማሕበረ ሰብ ክርስትያንን ማሕበረ ሰብ አስላምን በብእምነቶም ብሰላም ብስኒት ክነብሩ ከም ዝክእሉ ሃይማኖት መሳርሒ ፖሊቲካ ክኸውን ከም ዘይብሉ ምስ መራሕቲ መንግስታት ሀገራት ማእከላይ ምብራቅ እተካይዶ ዘተ ፍጹም አዎንታው ከምዝኾነን ክፋል ማሕበረ ሰብ አስላም ነዚ ክልሰ ሐሳብ”ዚ ከም ዝድግፉን አባ ማርዋን ታበት ምስ መሳርሕትና ኤመር ማከርቲ አብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ አገንዚቦም።

እቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምበል 16 አብ ማእከላይ ምብራቅ አብ ሊባኖስ ከካይድዎ ተመዲቡ ዘሎ ሐዋርያዊ ዑደት አብቲ ዞና ሰላምን ቅሳነትን ንክነግስ ሐጋዚ ከም ዝኾነ አብ ሊባኖስ ዝርከባ አብያተ ክርስትይሃናት ክብ ዝበለ ተስፋ ከም ዘለወን አብ በይሩት ናይቲ ሐዋርያዊ ዕደት አውሃሃዲ አባ ማርዋን ታበት አገንዚቦም አለዉ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.