2012-07-19 15:01:42

ሓዋርያዊ ዑደት ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ


ብዛዕባ ኣፍሆተ ወንጌል ንኣሕዛብ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ካብ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሮም ንናይ ሓደ ሰሙን ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ RealAudioMP3 ከምዝገሹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕነቶም ኣብዚ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 14 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጳጳሳት ንኽኾኑ ዝሰመይዎም ንናይ ባንጉይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዴውዶነይ ንዛፓላይንግን ናይ ቦሳንጎኣ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ነስትሮ ደሲረ ኖንጎ ኣዚያብጋይን፣ ንናይ በርበራቲ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ደኒስ ኣብገንያድዚን ንናይ ኣሊንዳኦ ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ስይር ነስትሮ ያፓውፓንን ሰንበት ዕለት 22 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ቅብኣተ ጵጵስና ክፍጽሙ ምዃኖም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ብፁዕነቶም ምስቶም ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳትን ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ልኡካንን ክራኸቡ ምዃኖም ገሊጹ፣ ጽባሕ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሐር ቦዚዘ ክራኸቡ ከምዝኾኑን፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ኣብ ዝርከቡ መዕበያ ዘኽታማትን ኣብ ሰበኻ ባንጉይን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሩ።
ዕለት 26 ሓምለ 2012 ዓ.ም. ናብ ሃገረ ቫቲካን ዝምለስሉ ዕለት ከምዝኾነን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ፣ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዓመታዊ ዓወደ ኣሓዛዊ ጸብጻብ መሰረት፣ ብዝሒ ሕዝቢ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ 1.282.000 ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓብቲ ዝርከብዎ ብጠቕላላ 4.298.000 ከምዝኾንነን ትሽዓተ ሰበኻታትን 116 ቁምስናታትን 11 ብፁዓን ጳጳሳትን 192 ናይ ሰበኻ ካህናትን፣ 125 ገዳማውያን ካህናትን 23 ገዳማውያን ኣኃውን፣ 354 ገዳማውያን ደናግልን፣ 13 ናይ ዓለማውያን ምእመናን ተቛማት ማሕበር ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ደናግል ኣባላትን፣ 26 ዓለማውያን ልኡካነ ወንጌልን፣ 4.199 መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን፣ 222 ናይ ሰበኻ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን 156 ናይ ሰበኻ ዓቢይ ዝርኣ ክህነት ተመሃሮን ፣ 62 ናይ ገዳማውያን ማሕበራት ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮን፣ 124 ናይ ገዳማውያን ማሕበራት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን፣ 148 ቀዳማይ ደረጃን 23 ማእከላይ ደርጃ ኣባይቲ ትምህርትን፣ 12 ኣባይቲ ሕክምናን፣ 35 ናይ ረድኤት ማእከላትን፣ 8 መእለዪ ኣረጋውያንን ስንኵላንን፣ 4 መዕበያ ዘኽታማትን 23 ኣባይቲ ሕንጸት ከምዝርከብን፣ ካብ 1846 ዓ.ም. ክሳብ 1878 ዓ.ም. እታ ናይ ሎሚ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦንን ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌልን ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ምምሕዳር ኰይን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ቀዳመይቲ ቤት ልኡካነ ወንጌል እታ ኣብ 1894 ዓ.ም. ካብ ብራዛቪል ብዝተላእኩ ኣብ ኡባንጊን ቻሪን ዝተመስረተ ናይ መንፈስ ቅዱስ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ከምዝኾነን ኣብ 1909 ዓ.ም. ኡባንጊን ቻሪን ሓዋርያዊ ኅየንተ ጳጳሳዊ መስተናብር ኮይና ቆይማን፣ ቀዳሞት ደናግል ኣብ 1929 ዓ.ም. ዝተላእካ ኣባላት ማሕበር መንፈስ ቅዱስ ከምዝኾናን፣ ኡባንጊን ቻሪን ኣብ 1937 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ጳጳሳዊ መስተናብር ኮይና ከምዝቖመትን፣ ኣብ 1938 ዓ.ም. ቀዳማይ ተወላዲ’ታ ሃገር ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበለን፣ ዕለተ 14 መስከረም 1955 ዓ.ም. ባንጉይ ርእሰ ሰባኻ ኰይና ኣብታ ሃገር መስርዕ ማዕርግ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዝቖመ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.