2012-07-17 14:22:59

ኰለን፦ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረት ወሃብቲ ቃል ጉባኤ


ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝኾነ ይዅን መዳይ ዋላ ኣቲ ኣብ ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝምልከት ምሕደራኣ እትኽውሎን እትሓባብኦን ጉዳይ የልቦን። ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝሕባእ ነገር RealAudioMP3 የልቦን እንክብሉ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ወሃብቲ ቃል ጉባኤ ካብ ዕለት 11 ሓምሌ ክሳብ ዕለት 14 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ከተማ ኮለን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ፍጻሜ ዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ፍጻሜ እቲ ናይ ኮለን ዋዕላ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሃብቲ ቃል ጉባኤ ናይ መላእ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረት፣ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝጸንዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ግልጺ ዝኾነ ፖለቲካ ልዑል ኣኽብሮት ከምዝህብሉን ከምዘድንቕዎን ከምዘመልከቱ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ መንበር ዝንዛሕን ንቕዱስ ኣቦና ዘጉህይ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሕጊ ዘየኽብሩ ክፍልታትት መራኸቢ ዝፍንውዎ ዘይሕብር ሓበሬታ ኰኒኖም፣ ሓቂ ዘይትበርስ ምዃኑ ኣበኪሮም፣ ምሉእ ተኣማንነቶም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዘሐደሱ ገሊጹ።
ኵለን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ተኣዘዝቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን እንተኾና ኣብ ስነ ምሕድራ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣሰራርሓን ኣካይዳን ዘለወን፣ ምስ ናይ ከባቢኤን ጭቡጥ ኩነት ዝተኣሳሳረ እውን ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ስለዚህ እቲ ዘሎ ዝተፈላለየ ናይ ውሽጣዊ ምሕደራ ከይዲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ከይተረዳእካ ንዅሉ ብቅድስቲ መንበር እናገለጽካ ምዝራብ ጌጋ ምዃኑ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ጉባኤ ወሃብቲ ቃል ናይ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣመልኪቶም፣ ቤተ ክርስትያን ናይ መኽሰብ ማሕበረሰብ ኣይኮነትን ተልእኾኣን ህላዌኣን ኣብ ታሪኽን ሕያውነትን ብስራት ቃለ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ከምዘነጸረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ፣ ቀጺሉ እቲ ጉባኤ ብዛዕባ ናይ ዜና አገልግሎት ሲር ኤውሮጳ እውን ከምዝተዘተየ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.