2012-07-17 14:20:51

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ቀርሜሎስ ኣብነት ጽሎትን ውፉሕ ሕይወት ንእግዚኣብሔርን” እያ።


ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ትማሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ቀርሜሎስ ኣብዒላ ከምዝወዓለት ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዙሕ ጊዜ ቅዱስ ኣቦና ንማርያም ዘ ቀርሜሎስ “ናይ ጸሎትን ተመስጦን ተወፋይነት ንእግዚኣብሔርን ኣብነት” ቢሎም ከምዝገልጽዋን ዕለት 16 ሓምሌ 1251 ዓ.ም. RealAudioMP3 ቅድስቲ ድንግል ማርያን ንብፁዕ ስምዖን ስቶክ ናይ መንፈሳውነት ነቢይ ኤሊያስ ዝስዕቡ ማሕበር ቀርሜሎሳውያን ገዳም ጠቕላሊ ሓለቓ ንዝነበሩ ዝተገለጸትሉ ዕለት ዘዘኻኽር ዓቢይ በዓል ክኸውን እንከሎ፣ በዛ ዓባይ በዓል ምኽንያት ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ ናይ ሊጡርጊያ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባል ገዳም ቀርሜሎሳውያን ኣባ ጁዘፐ ሚዲሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ነቢይ ኤሊያስ ናይ ተመስጦ መንፈሳዊ ሕይወት ኣብነትን እዋናውነት ዘለዎን እዩ። እቲ ብተመስጦ ዝንበር ሕይወትን ምስ እግዚኣብሔር ዝቐውም ውህደ ሕይወት ዘጣምር ካብ ጽሞናን ብሕትውናን ብርቱዕ ሓይሊ መንፈስን ኢፍትሓውነት ንምቅዋምን ነቲ ብስቓይን ድኽነትን ዝተኸበ ጭቡጥ ሕይወት ኣዚዩ ቀረባ ብዝኾነ ሕይወት ዝግለጽ እዩ።
ስካፑላ ተወፋይነት ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኣብነት ሕይውትን እምነትን ገርካ ናይ ዝንበር ሕይወት ምልክት እዩ። ንማሕበር ቀርሜሎሳውያን ብተወሳኺ ጸጋ ጥምቀት ከምዝተቐበሉ ዘዘኻኽር ምልክት እውን እዩ፣ ስለዚህ ንክርስቶስ ዝተወፈኻ ምዃንና ዝገልጽ ምልክት ክኸውን እንከሎ፣ በቲ ሓደ ገጽ ምስሊ እኖ ማርያም በቲ ሓደ ገጽ ድማ ምስሊ ክርስቶስ ዘለዎ እዩ። ናይ ቀርሜሎሳውያን መንፈሳውነት ናይ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ኣብነትን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣነባብራ ቅዱሳን ሕይወት ዝንጸባረቐሉ ቃል እግዚኣብሔር ብጽሞና ካብ ምስማዕን ካብ ንባበ መለኰትን ብዝምንጭው መንፈሳውነት ዝጠቓለል እዩ ኢሎም።
ቃል ኣምላኽን ብጽሞና ካብ ምስማዕን ንባበ መለኮትን ኣስተንትኖን ተመስጦን ተበጊስካ ድማ እቲ ቃል ኣምላኽን ንባበ መለኰትን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትካ ምንባር ዝብል መንፈሳውነት ምዃኑ ገሊጽም። ኣብ ማሕበራውን ቤተ ክርስትያናዊ ጭቡጥ ሕይወት ዝምስከር እዩ። ሰብ ብኑባሬ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕንዔ እዩ። እዚ ባህርይ’ዚ ድማ ሰብ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ይገልጾን ይነብሮን፣ ኮይኑ ግን ኣቲ ኣብዚ እዋን ዘደናግር ህብረ መግለጽታቱ እናሰፍሔን ንብዙሓት እውን ከጥቅልዕ ይርአይ፣ ስለዚህ እቲ ትኽክለይና መግለጺኡ ምርካብ የድሊ። ቤተ ክርስትያን ነቶም ሓቀይና መግለጽታቱ እተነጽርን እተመልክትን እያ። እቲ ብኑባሬ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕንዔ ባህርይ ሰብ፣ ምሉእ መልሱታቱ ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ ቤተ ክርስትያናዊ ማሕበርን ኢዩ ዝርከብ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.