2012-07-14 14:44:08

ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ሓጋይ ዕረፍቶም”


ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ብምቕጻል፣ ዕለት 11 ሓምለ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሓላዊ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ንኽብሮም ዕለት 11 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ RealAudioMP3 ብናይ ውሁደ ሙዚቃ መራሒ መምህር ዳኒኤለ ባረንቦይም እትምራሕ ብሓባር ምስ ነፍሰ ኄር ፍልስጥኤማዊ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ተኸታሊ ደራሲ ኤድዋርድ ሳይድ ዘቖምዋ ናይ ኣይሁድን ምስልምና ሃይማኖትን ናይ ክርስትናን እምነት ሰዓብትን እትሓቁፍ ወስት ኤስተርን ዲቫን ኦርከስትራ ጓሳ ዘርእስቱ ቍጽሪ 6 ውሁደ-ሙዚቃን ከምኡ እውን ቍጽሪ 5 ማዕጾ ዘንኳሕኵሕ ዕድሎት (ጽሕፎት) እተሰምየ ብልድዊግ ቫን በትሆቨን ዝተደርሰ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ኣብቲ ንዕረፍቲ ኣብ ዝረከብሉ ካስተል ጋንዶፍሎ ሓዋርያዊ ሕንጻን ኣብ ዝቐረበ ውሁደ ሙዚቃ ምርኢት ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ካስተል ጋንዶልፎ ብቕዱስነቶም ኣቀባብላ ዝተገብረሎም ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ክሊዮ ቢቶኒ ዝተሰነዩ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ምስታፎምን ብሓቂ ደስ ዘብል ምዃኑን፣ እቲ ጉጅለ ሙዚቀይናታት ዝተፈላለዩ ምሳርሒ ሙዚቃ ነፍሲ ወከፍ ድምጽታቶም ኣወሃሂዶም፣ ውሁድ ጥዑም ቅንይት ዘስምዑ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ኣይሁድን ናይ ክርስትና እምነት ሰዓብትን ዘሳንይ ብሓባር ሰላም ዝዓሰሎ ማሕበራዊ ሕይወት ምሕናጽ ዘተባብዕ እዩ ኢሎም።
እቲ ርእሰ ዓንቀጽ ቅድስቲ መንበር ቀጺሉ፣ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘካየድዎ ሲኖዶስ፣ ጸጋታቱ ናብቲ ናይቲ ከባቢ ምእመናን ንምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2012 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ኣብ ሊባኖስ ንኽካየድዎ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ይሰናደዉ ከምዘለዉ ብምምልካት፣ ኣብ ሶሪያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ገና መፍትሒ ዘይተረኽበሉ ውጥረት፣ ሰላምዊ ፍታሕ ክረክብ ዘተባብዕ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝኸውንን ድምጺ ኣጽዋር ውግእን ዓመጽን ብምውጋድ ኵሉ ብዘተን ትዕግስትን ምርድዳእን ብውልቃውን ማሕበራውን ምልዋጥን ዝረጋገጽ ሰላም ከናድይ” ቅዱሰነቶም ዝቕረብዎ ጻውዒት ጠቒሱ፣ “ኣብ ዓለም በቲ ኵላዊ ቋንቋ ዝኾነ ሙዚቃ መሰረት ተስፋን ሰላምን ክዝራእ” ዘቕረብዎ ለበዋ ብሓቂ እቲ ናይ ውሁደ ሙዚቃ ምርኢት ምልክት ተስፋ ኢዩ። ንሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ሰናይ ምንዮትና ንገልጽ ብዝብል ቓል ኣባ ሎምባርዲ ነቲ ርእሰ ዓንቀጽ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.