2012-07-12 13:59:24

ጥዑም ውሁደ-ሙዚቃዊ ምርኢት ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16


ዕለት 11 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሽድሽተ ምእንቲ ክብሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብናይ ውሁደ ሙዚቃ መራሒ መምህር ዳኒኤለ ባረንቦይም ናይ ኣይሁድን ምስልምና ሃይማኖትን ናይ ክርስትናን እምነት ሰዓብትን እትሓቁፍ ወስት ኤስተርን ዲቫን ኦርከስትራ ጓሳ ዘርእስቱ ቍጽሪ 6 ውሁደ-ሙዚቃን ከምኡ እውን ቍጽሪ 5 ማዕጾ ዘንኳሕኵሕ ዕድሎት (ጽሕፎት) እተሰምየ RealAudioMP3 ብልድዊግ ቫን በትሆቨን ዝተደርሰ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ኣብቲ ንዕረፍቲ ኣብ ዝረከብሉ ካስተል ጋንዶፍሎ ሓዋርያዊ ሕንጻ ንምርኢት ከምዝቐረበ እንክምልከት፣ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ መናፈሻ ሞሮ ብቕዱስነቶም ኣቀባብላ ዝተገብረሎም ብኽብሪ በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ክሊዮ ቢቶኒ ዝተሰነዩ ዕዱም ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ እውን ኣብቲ ውሁደ ሙዚቃዊ ምርኢት ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እቲ ንኽብሮም ዝቐረበ ውሁደ ሙዚቃ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔርን ንዕዱማት ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ንመራሒ ጉጅለ ሙዚቃ ወስት ኤስተርን ዲቫን ኦርኮስትራ መራሒ መምህር ዳኒኤለ ባረንቦይምን ሙዚቀይናታትን ፍሉይ ናይ ምስጋና ቓል ብምቕራብ፣ “ባረምንቦይም ምስ ነፍሰ ኄር ኤድዋርድ ሳይድ ብሓባር ነዛ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝከኣል ምዃኑ እትምስክር ጉጅለ ውሁደ ሙዚቃ ቅድሚ 13 ዓመት ክትምስርቱ ብምብቓዕኩም ብሓቂ ሰናይን ክምስገን ዝግብኦ ተግባርን እዩ” ቢሎም፣ ቀጺሎም እቲ ናይ ውሁደ ሙዚቃ ምርኢት ቅድሚ ምቕራቡ ዘረባ ነዘስምዑ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ንብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ እውን ኣመስጊኖም፣ “እዛ ጉጅለ ናይ ውሁደ ጥዑም ሙዚቃ ምልክት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝኾነት፣ ብሓቂ ሙዚቃ ናይ ኣጋጣሚ ፍልልያት ብዘየገድስ ዘዋህድ ምዃኑ እትምስክርን ዝተፈላለየ መሳርሒ ሙዚቃ ሓደ ብምዃን ካብ ዝተፈላለየ ድምጸ ሙዚቃ ብመራሒ መምህር ስነ ጥበባዊ ክእልትን ጻዕርን ውሁደ ሙዚቃ ክድመጽ ክትሰምዕ ብሓቂ ዘደስት እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምልስ ቢሎም፣ እቲ ኣብቲ እዋን ዝተፈጸመ ጸረ ሰብኣዊ ዓመጽን ግፍዕን ህልቂትን ዘኪሮም፣ ነቶም ናይታ ጉጅለ መራሒ መምህር ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ሰዓቢ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ምእመናን ዝተፈጸመ ግፍዕን ክግመት ዘይከኣል ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዓለም ዘስዓቦ ስቓይን መከራን ከይተረስዐ፣ ከይድገምን ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሕዝብን ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ናብራ ዝከኣል ምዃኑ እትምስክር ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ሰዓብቲ እትጥርንፍ ጉጅለ ሙዚቀይናታት ንምቛም ብምኽኣሎም ቅዱስ ኣቦና ኣመስጊኖም፣ እቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ተመኵሮ ዝኾነ ስቓይን ሰላምን ዘቃልሕ በትሆቨን ዝደረሶ ውሁደ ጥዑም ሙዚቃ ንፈለማ ጊዜ ዕለት 22 ታሕሳስ 1808 ዓ.ም. ኣብ ቪየና ንምርዒት ከምዝቐረበ ቅዱስ ኣቦና ታሪኽ ጠቒሶም ብምዝኽኻር፣ ሰላም ብዘይ ናይ ውግእ ኣጽዋር፣ ብዘተን ትዕግስትን ምርድዳእን ብውልቃውን ማሕበረሰብኣውን ምልዋጥ ዝረጋገጽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ነቶም ናይታ ወስት አስተርንዲቫን ኦርኬስትራ መራሒ መምህር ባረንቦይምን ሙዚቀይናታትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ሓባራዊ ናብራ መሰኻክር ቢሎም ብምግላጽ ኣመስጊኖምን ንዅሎም ኣብ ጸሎቶም ዝኵራት ምዃኖም ኣረጋጊጾም፣ ኣብ ዓለም በቲ ኵላዊ ቋንቋ ዝኾነ ሙዚቃ ኣቢሎም ተስፋን ሰላምን ክዘርኡ ድማ ተላብዮም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.