2012-07-10 14:40:35

ደቡብ ሱዳን ቀዳማይ ዓመት ናጽነት


ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውሊኖ ሉኩዶ ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ናጽነት ደቡብ ሱዳን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት RealAudioMP3 ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት በዓል ናጽነት ንምብዓል ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ናይ ካራቱም ዘይርከብዎም ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዓበይቲ ኣካላት ከምእተሳተፉ ገሊጾም፣ ናይ ካርቱም ዓበይቲ ናይ መንግሥቲ ኣካላት ኣብቲ በዓል ዘይምርኻቦም ኣብ መንጎ ጁባን ካርቱምን ውጥረት ከምዘሎ እዩ ዘመልክት። እቲ ከባቢ ደቡባቢ ሰሃራ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝተኻየዱ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውግእ ጽልዋ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳይ ዝረኣየሉ እዩ። ኣብ 2004 ዓ.ም. ሕቡራት መንግሥታት ዓለም እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝፈጸመሉ ደቡብ ሱዳን ምዃኑ ዘኪሮም፣ ድሕሪ 9 ሓምሌ 2011 ዓ.ም. ድላይ ሕዝቢ ዘረጋገጾ ድላይ ነጻነት ተረጋጊጹ ተስፋታቱ ድማ ቀስ ብቐስ ተበጊሱ ይርአይ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዙሕ ለውጢ ዝተራእየሉን ምንቅስቓስ ልምዓት ዝረኣየሉ ዘሎ ዓመት ኮይኑ ብሓቂ ኣብ ሕዝቢ ግንዛበ ሃገራውነት ይዓቢይ ኣሎ። ኮይኑ ግን ሕጂ እውን ምኽንያት ምስሕሓብ ዝኾኑ ሰላም ብምልኣት ኣብቲ ከባቢ ውሑስ ከይከውይ ዝድርኹ ጉዳያት ኣለው። ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ናጽነት ሃገሩ ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢ ሰሜን ሱዳን ናብ ሃገሩ ዝምለስ ዘሎ ዜጋ ብቑዕ ሰብኣዊ ደገፍ ብምቕራብን ዕለታዊ ናብራኡ ኣብ ምምራሕ ክኽእል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቀንደይና ተዋሳኢት ቤተ ክርስትያን እያ።
እታ ኣብ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ቤተ ክርስትያን ብምእመናን ብዝሒ ትዓቢ ከምዘላን፣ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ኣባይቲ ሕክምና ኣብዚ እዋን ንዅሉ ዘጋ ዘገልግሉ ኮይኖምን ኣባይቲ ትምህርቲ ክሕነጹን ኣገልግሎት መውሃቢ ንሕዝብን ናይ ሕዝብን ብዝብል መሠረታዊ ኣመለኻኽታ ዝረጋገጸሉ ኮይኑ ከምዘሎን፣ መደብር ፈነወኡ ኣብ ጁባ ዝኾነ “ራዲዮ ኤማኑኤል” እተሰምየ ናይታ ኣብ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ራዲዮ፣ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸትን ብፍላይ ድማ ሰላም ኣብ ምሕናጽ ኣገልግሎት ተዋፊሩ ንኹሉ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ሓቢሮም ነቶም ርሑቕ ዘለዎ ንምብጻሕ ዘብቕዕ ኣገልግሎት እዩ። ሕዝቢ ኣብ ናይ ሃገሩ ጉዳይ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን ትክኽለይና ሓበሬት ክቐርበሉ ይግባእ ምስ በሉ ራዲዮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሱዳን ኣብዚ መዳይ ተዋፊሩ ዓቢ ኣገልግሎት የበርክት ከምዘሎ ኣረጋጊጾም ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.