2012-07-10 14:42:10

ኣፍሪቃ፦ ምስፋሕ ምንጻል ጽንሲ


ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 2011 ዓ.ም. ሽዱሽተ ሚሊዮን ምንጻል ጽንሲ ከምእተፈጸመን፣ ልክዕ ከምቲ ጓለንስተይቲ መኻን ዝገብር ብሜላ ሕክምና ዝፍጸም ተግባር፣ ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ RealAudioMP3 ጽንሲ ናይ መቆጻጻሪ መጋበርያታት መሠረት ዝፍጸም ምቁጽጻር ምውላድ ኣብ ኣፍሪቃ ይሰፍሕ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ብፍላይ እቲ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝጻረር ተግባርን ሕይወት ሰብ ናይ ምቕንጻል ተግባር ናይቲ ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ ሞዛምቢክ ርእሰ ከተማ ማፑቱ ዝተኻየደ ናይ ሕበረት ኣፍሪቃ ዋዕላ ዘውጽኦ ብናይ ማፑቱ ውዕል ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝተበጽሐ ስምምዕ ጽልዋ ምዃኑ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሰብኣዊ ሕይወት እተሰምየ ዘይመንግሥታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እዚ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሰብኣዊ ሕይወት እተሰምየ ዘይመንግሥታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ቀንዲ ዕላማኡ ምኽባርን ምክንኻንን ሕይወት፣ ብፍላይ ዝውለድ ሕይወት ዝኸላኸል ምዃኑ እንክንገር፣ እዚ ብኣባ ሸናን ቦከት ኣቦ ወንበርነት ዝምራሕ ዘይ መንግሥታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር፣ እቲ ናይ ማፑቶ ውዕል ቀንዲ ዕላማኡ እቲ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ዝኾነ ክንሻበ ደቀ ንስትዮ ንምውጋድ ዝብል ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ኣገዳሲ እዩ። እንተኾነ ግን ጸረ ክንሻበ ደቀ ንስትዮ ዝብል ቃል ኣብቲ ምሉኡ ሰነድ ሓደ ግዜ ጥራሕ ዝተጠቕሰ ኰይኑ ጽንሲ ምንጻል ሕጋዊ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኰረ እሞ እዚ ባህሊ ንምስፋሕ ዝኣመተ እዩ። ስለዚህ ብኻልእ ኣገላልጻ ጽንሲ ምንጻል ናጻ ድላይ እዩ ዝብልን፣ እዚ ጸረ ናይ ሕይወት ባህሊ ከም ምርጫን ናጽነትን ገይሩ ብምቕራብ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምቕራብ ኣፋውስ መቆጻጻርን መነጸልን ጽንስን ከምኡ እውን ደቂንሰትዮን ደቂተባዕትዮን ብዛዕባ ስነ ሜላ ምቁጽጻር ጽንሲ ብቑዕ ሓበሬታ ክረኽቡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ተግባር’ዚ ክተግሃ ዝእዝዝ ምዃኑ ኣባ ቦከት ዝበልዎ ሓሳብ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ እዚ ናይ ሞት ባህሊ ናይ ኣፍሪቃ መጻኢ ንሓደጋ ዘቓልዕ እዩ ከምዝበሉ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሰፍሕ ዘሎ ስድራ ቤት ዝቆጻጻርን ብዝሒ ዘኽታማት ክብ ዘብልን ብዙሓት ስድራ ኣባይቲ ብዘይ ኣቦ ወይ ከኣ ኣደን ዘትርፍ ጸረ ምርግጋእ ስድራ ቤት ዘተባብዕ ፖለቲካ ምዃኑ ኣባ ቦከት ዝበልዎ ሓሳብ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ እቲ ናይ ማፑቶ ውዕሊ ውላድ ናይ ምቍጽጻር ዝምባለን ድላይ ምንጻል ጽንስን ዘነቓቕሕን ጸረ ሕይወት ተግባር ሕጋዊ ዝግበር እዩ ከምዝበሉን፣ ምንጻል ጽንሲ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ 2003 ዓ.ም. ክሳብ 2008 ዓ.ም. እዚዩ ክብ እናበለ ከምዝኸደ እቲ ዓለም ሓቆፍ ዘይመንግሥታዊ ተግባር ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.