2012-07-10 14:38:26

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማሕበር መለኮታዊ ቃል ገዳም


ቅድሚ 50 ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 1965 ዓ.ም. ገና ወዲ 38 ዓመት እንከለዉ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን በቲ ዘለዎም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅነት ከም ኣማኻሪ ተሳታፊ ኮይኖም ብፍላይ ድማ “Ad Gentes-ናብ ኣሕዛብ” እተሰምየ ሓደ ካብ ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን RealAudioMP3 ናይ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ልኡኽነት ዘነጽር ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ምስንዳውን ምርቃቕን ኣገልግሎት ተመዲቦም፣ ነዚ ተልእኾ ምስታ ንሶም ዝርከቡላ ዝተመዘት ጉጅለ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ኣማኸርቲ ኰይኖም ኣብ ፍጻሜ ንብጻሕ ጥቓ ሮማ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ዘሎ ከተማ ነሚ ኣብ ዝርከብ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል መለኮታዊ ቃል ገዳም ተላኢኾም ነቲ ተልእኾ ኣብ ፍጻሜ ከምዘብጽሑ እንክዝከር፣ በዚ ምኽንያት ቅዱስነቶም ትማሊ ካብ ዕለት 3 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምሌ ንሓጋይ ዕረፍቲ ካብ ዝጸንሑሉ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ከተማ ካብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ተበጊሶም ናብታ ቅድሚ 50 ዓመት ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ኣዕሪፎምሉ ዝነበረ ቤት ልኡካነ ወንጌል መለኮታዊ ቃል ገዳም ትማሊ ጥብቅን ውልቃውን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ቤት ልኡካነ ወንጌል ማሕበር መለኰታዊ ቃል፣ ካብ ዕለት 29 መጋቢት ክሳብ ዕለት 3 ሚያዝያ 1965 ዓ.ም. ከምጸንሑን፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ድማ ንዝኽሪ በዓል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸሎትን ኣስተምንቶን ዓወደ መጽናዕትታትን መደባት መሠረት ምስንዳዋት ክግበር ከተባብዑን ከነቓቕሑን ከምዝጀመሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፣ ትማሊ ናብታ ታሪኻዊት ቤት ማሕበር ልኡካነ ወንጌል መለኮታዊ ቃል በጺሖምን፣ በቶም ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ዝነበሩን ኣገልግሎት ሕልቅነቶም ዘጠናቕቑ ዘለዉ ኣባ ኣንቶኒዮ ፐሪናን ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ጠቕላሊ ጉባኤ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ንኽትክእዎም ዝተሓርዩ ሓደሽ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ሃይንዝ ኩሊዩከን ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ወኪል ኣባ ጃንካርሎ ጂራርዲን በቶም ናይቲ ማሕበር ሓፈሻዊ ኣኼባ ተሳተፍቲ ሓምሳ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሮም፣ ኣብቲ ገዳም ዝርክበ ቤተ ጸሎት ብምጻሕ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ናይ ጸሎት ኣስተንትኖን ስነ ስርዓት ፈጺሞምን ንዅሎም ሓዋርያዊ ቡራኼ ሂቦም ኣኣብ ዘጠናቐቕዎ ብምጻሕ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ናብቶም ዝሓለፉ 47 ዓመታት ታሪኽ ምልስ ቢሎም፣ “Ad Gentes-ናብ ኣሕዛብ፦ እተሰምየ ሓደ ካብቶም ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ልኡኽነት ዘነጽር ንምስንዳው ኣብ ዝተገበረ ጻዕሪ ተራእዩ ዝነበረ ፍልልያት ተባሂሉ ዝግለጽ ትንተና ብወግገነይ እቲ ፍልልይ ኣብ ሓደ ሸቶ ዘተኰረ ብምንባሩ፣ ኔሩ ክብሎ ኣይክእል እየ። ብርሃን ፍቕሪ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ንዓለም ብምጻሕ፣ ነቲ ቓል ኣብ ምቕራብን ምብጻሕን ንዝግበር ኣገልግሎት ብሓድሽ ናይ ሓጎስ መንፈስ ክምራሕ ዝብል ሸቶ ዘለዎ ብምዃኑ፣ እቲ ዝተፈላለየ ኣገባብ ተባሂሉ ዝግለጽ ዝነበረ ሓሳብ ዝራኸብን ዝጋጠምን እዩ ኔሩ። ዝለዚህ ‘ምትሕልላፍ-ምቕራብን-ምርኻብን’ ዝብል ብምዃኑ እቲ ሓድሽ ብሥራት ዘጠቓልሎ ፍረ ነገር እዩ። ስለዚህ እዚ ኣቲ ኣብ ምስጢረ ስላሴ፣ ኣብ ውሻጣዊ እግዚኣብሔር ዘሎ ምክፋልን ምቕራብን ዘንጸባርቕ ነቲ ዝተቐበልናዮ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ምክፋል ማለት እዩ። ተልእኾ ወንጌል ዝህልውን ዝነብርን እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝምንጭው ናይ ወንጌል ፍስሃን ተስፋን ተመኵሮ ኣብ ምክፋሉን ምቕራቡን ኣዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.