2012-07-05 15:25:35

ውሳኔ ቅድስቲ መንበር


ኣብ ቻይና ብዘይ ውሳኔ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ማዕርገ ጵጵስና ንኽቕበሉ ዝቐራረቡ ዘለዉ ቻይንዊ ካህን ኣባ ጁዘፐ የው ፉሸንግ ብዝምልከት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ብዘውጽኦ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሳኔ፣ እቲ ውሳኔ ማዕርገ ጵጵስና ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉ፣ ናይ ቤተ ክርስትያን RealAudioMP3 ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእኾ ውህደት ዝጐድእ እዩ እንክብል ከምዝገለጾ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ናብቲ ኣባ ጂዜፐ የው ፉሸንግ ጳጳስ ዝስመይሉ ኣብ ክፍለ ሃገር ሃይሎንግዣንግ ናብ ዝርከብ ናብ ሃርቢን ሐዋርያዊ መስተናብር እውን ከምእተላእኸን፣ እታ ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊካውነታ ክትዕቅብ እንተድኣ ኰይኑ፣ ብዘይ ውሳኔ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕርየትን ውሳኔን ሲመተ ጵጵስና ካብ ምሃብ ክትቑጠብ ይግባእ ዝብል ሓሳብ እውን ኣብቲ መልእኽቲ ሰፊሩ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅድስቲ መንበር ነቶም ንሲመተ ጵጵስና ዝቐራረቡ ዘለዉ ኣባ የው ፉሸንግ ቅድም ክብል ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከምእተላእኸን፣ ዝቕበልዎ ሲመተ ጵጵስና ዘይሕጋውን ቅድስቲ መንበር ኣፍልጦ ዘይትህቦ፣ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና ዝጥሕስ እዩ ብምባል ዘይተቐባልነቱ ከምዝተሓበሩ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ብሕገ ቀኖና ዝወሃቦ ፍርዲ እውን ብምምልካት፣ ምስቲ ናይ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ምልክታ ናይ ሓባር ዘተ ዝገራጨው ምዃኑ ከምዝገልጽ ሓቢሩ።
እቲ ካብ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዝተልኣከ መልእኽቲ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ.ም. ነታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቶም ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ጠቒሱ ውሳኔ ቅድስቲ መንበር፣ ፖለቲካዊ ሕቶ ከምዘይኰነ ኣነጺሩ፣ ሲመተ ጵጵስና ፖለቲካዊ ልኡኽነት ዘይኮነስ ናይ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾ ውሳኔን እዚ ድማ ንናይ ሃይማኖት ነጻነት ውሑስ ዝገበር ኰይኑ፣ ተልእኾ ኣገልግሎት ወንጌል እዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይኰነን። ከምዚ እንተድኣ ዘይኰነ ግን፣ ናይ ሓደ ሓገር ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣገልጋሊ ብምዃን ናይ ቤተ ክርስትያን ሉኣላውነት ንሓደጋ ዘቓልእ እዩ ዝኸውን ብዝብል ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓሳብ ከምእተጠቓለለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.