2012-07-05 15:24:17

ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሓድሽ ኅየንተ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዊሊያም ጆሰፍ ለቫዳ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ብመሠረት ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና ብሓድሽ ኅየንተ ክትክኡ ንፍቓዶም ነዘቕረብዎ ሕቶ እወታዊ መልሲ ብምሃብ ኣብ ሓላፍነት ኅየንተ RealAudioMP3 ዕለት 3 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ናይ ረገንስበርግ ጳጳስ ኮይኖም ንዘገልግሉ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ገራርድ ሉድዊግ ሚዩለር ከምዝሰመይዎም ክዝከር እንከሎ፣ ብፁዕ ኣቡነ ገራርድ ሉድዊግ ሚዩለር ከም ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ መጠን ናይ Pontificia Commissione Ecclesia Dei - ናይ ቤተ ክርስትያነ እግዚኣብሔር ሓልዮ ጳጳሳዊን” ናይ “Pontificia Commissione Biblica e della Commissione Teologica - ናይ ቅዱስ መጽሓፍን ቲዮሎጊያን ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገታት ሊቀ መንበር እውን ኰይኖም ከገልግሉ ምዃኖም ክምልከት እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ጀርመን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ተልእኾን ዕላማን ንጹር እዩ። ንሱ ድማ ንቅዱስ ጴጥሮስን ሓዋርያትን ዝተውሃበ ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ንተኸታሊ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን መምህር ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ምሕጋዝ እዩ።
ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ እምነት ግብረ ገብን ዝንጽልን ኣየድልን እውን ዝብል ናይቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ዓለማውነት መሠረት ንምልላይ ከነተኵር ይርአ፣ ግቡእ እውን እዩ። ኰይኑ ግን ካብዚ ተነጺሉ ክርአ ዘይግብኦ፣ ኣድማስ ደረት ሰገርነትን እቲ ብኑባሬ ኣብ ፍጥረት ሰብ ሰሎ ልልያ ድርኾት ናብ እዚኣብሔርን ኣብ መላእ ቤተ ክርስትያን ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ዝርከቡላ ሮማዊት ቤተ ክርስትያን መንፈስ ቤተ-ሰብኣውነት ክምዕብል ኣብ ዝብል ዕላማ ከነተኵር ይግባእ ኢሎም።
ካልእ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ሓባር ሊጡርግያ እዩ፦ እዚ ድማ ንእግዚኣብሔርን ንብጻይካን ምፍቃር ዝብል ምእንቲ ካልኦት ምጽላይ ማለት እዩ። ሰለዚ እዚ ጸዋዕታ’ዚ ናይ እምነት ክርስትና ማእከል እዩ። ክርስትና ማለት ንእግዚኣብሔር ምፍቃርን ንብጻይካ ምፍቃርን ማለት እዩ። ብጻይካ ድማ እቲ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ማለት እዩ። ዕላማ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር በዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝጠቓለል እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.