2012-07-05 15:22:49

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ካስተል ጋንዶልፎ ብጽባቔ ተፈጥሮ ዝተኸበት ንእሽተይ ከተማ”


ዕለት 3 ሐምሌ 2012 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ 2012 ዓ.ም. ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ናብታ ኣብ ከባቢ ሮማ እትርከብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ናብ ዘሎ ሐዋርያዊ ሕንጻ ከምዝኸዱ እንክንገር፣ ኣብታ ከተማ ምስ በጽሑ ነቶም ንቕዱስነቶም ንምቕባል ኣብ ከባቢ ሓዋርያዊ ሕንጻ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ምዉቕ ሰላምታን ጨብጨባን ነዘቕረቡሎም ምእመናንን RealAudioMP3 ናይታ ከተማ ቤት ምኽሪ ኣባላትን ከንቲባን እንከምስግኑ፦ ፍቱዋተይ ንናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ኣብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ምርኻበይ ኣዚዩ ደስ የብለኒ፣ ንዅሉ ድማ ሰናይ ናይ ሓጋይ ዕረፍትን ጥዑም ኣየርን ኣምነይ ቢሎም፣ ኣብዛ ብጽባእቔ ተፈጥሮ ዝተዓደለት ንእሽተይ ከተማ ኩላትና መንፈሳውን ኣካላውን ሕዳሴ ከንጽገው ተስፋ እገብር” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ 2012 ዓ.ም. ንናይ ሓጋይ ዕረፍቶም ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሐምሌ ከምዘጸንሑን ኣብዚ ናይ ዕረፍቲ ጊዜኦም ብጀካ እቲ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ዝደግምዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ካልእ ሓፈሻዊ መደባት ከምዘይህልዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ኣብታ ቅድሚ 50 ዓመት ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ኣዕሪፎምሉ ዝነበረ ቤት ክኡካነ ወንጌል መለኮታዊ ቃል ብምኻድ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጽባቔ ተፈጥሮ ክዕዘቡን መደብ ከምዘለዎምን ከምኡ እውን ዕለት 15 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ኣብ ፍራስካቲ ምብጻሕ ከምዝገብሩ የመልክት።
ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሮማ ጳጳስ ንናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ምእንጋድ ካብ እትጅምር እነሆ ሽዱሽተ ዘመን ከምዘቕጸረት እንክንገር፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ነቶም ዝተቐበልዎም ምእመናንን ከንቲባን ኣባላት ቤት ምኽሪ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎን ኣመስጊኖም፣ ንኹሎም ሰናይ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.