2012-07-03 15:05:10

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ወርሒ ሓምለ


ኣብዚ እዋን መላእ ዓለም ዝነብሮ ዘሎ መንቀሊ ቅልውላው ርግኣትን ስእነት ሥራሕን ዝኾነ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሓምሌ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምዝወሰኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ RealAudioMP3
ቅዱስነቶም ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት፣ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ናይ ሥልጣናዊ ትምህርቶም ዓቢይን ፈለማን ኣተኵሮ ኣብቲ ከም ናይ እሳተ ጎመራ ግንፋለ ባርዕ እናሰፍሔ ንመላእ ዓለም ዘዕለቕልቕ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ኣማእኪሎም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን፦ “ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ኣታኽልቲ ወይኒ ትሑት ሓረስታይ እየ” ቢሎም ገዛእ ርእሶም ከምዝገለጹ ክዝከር እንከሎ፣ እቲ ዓበይቲ ዘብለና ዓቢይ ሥራሕና ዘይኮነስ ትሕትናና ከምዝኾነን ብፍላይ ድማ እቲ ዝተናዕቀ ርእሲ መኣዝን ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕብን ንዓዑ ኣብ ምምሳል ክንዓቢ ከምዘሎና ከይዲ ዓለም ሰብኣዊነት ዘማእከለ ክኸውን ዘተሓሳስብ እዩ።
እቲ ካብ ምጽንጻን ከይዲ ኤኮኖሚ ዝተበገሰ ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ዝሕተላ ቁጠባዊ ንጥፈት ኣብ ዓለም ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ኣስዒቡን ኩሉ ተነቃፊ ክኸውን ዝደርኽ ኮይኑ፣ ሕዝቢ ዓለም ንዝተፈላለየ ሓደጋ ከምዘቓልዔን እውን ቅዱስ ኣቦና ብምግላጽ፣ ክብሪ ሰብ ዘየማእከለ ከይዲ መሠረት ቅልውላው ምዃኑን እናስተምሃሩ፣ ዓለም ካብቲ ዝኽተሎ ዘሎ ህርፋንን ምድላብ ሃብትን ንኣይነትን ተላቒቑ ብዓቐን ምንባር ክመሃርን ከምዝመዓዱ ክዝከር እንከሎ፣ እዚ ነቢያዊ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና፣ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባ መሠረት መፍትሒ ምዃኑ ብብዙሓት ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ሊቃውንቲ ዝምስከረሉ እዩ።
ዕለት 12 ጥሪ 2009 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይ ላዚዮ ክፍለ ሃገር ቤት ምኽርን ምምሕዳርን ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፦ “እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብሔረ ማሕበረሰብ ኣገባብ ሕይወት ርእሰ ቁጽጽርን ህድኣትን ምትሕብባርን ሓላፍነትን ብዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ክምራሕ ከምዘለዎ ዘነጽረሉ ከምዝኾነን፣ በዚ መገዲ’ዚ ጥራሕ እዩ ቅኑዕን ንዅሉ ዝበለጸ መጻኢ ሕይወት ዘቕርብ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዝከኣል” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ዕለት 26 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ተርኒ ሰበኻ መንፈሳዊ ነጋድያን ተቐቢሎም “ዝተፈተኹም ሠራሕተይናታት፣ ቤተ ክርስትያን ንዅሉ ስራሕ ናይ ምርካብ መሰል ክረጋገጽን ውሑስን ክቡርን ቀዋምን ስራሕ ንዅሉ መታን ክረጋገጽ፣ ኩሉ ሓይሊ ኣብዚ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከድህብ ከምእተተባብዕን እተስተምህርንን መገዲ እትሕብር እያ” ከምዝበሉ ዝዘከረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ዕዮ ስነ ምግባርን ቅድሚ ስራሕ ንሰብን ቀዳምነት ክወሃቦን፣ ስራሕ ቅድሚ ምድላብ ሃብትን ኩሉ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ተጠቃሚ መሰሉ ንኽኽበርን፣ ቅድሚ ምርካብ ምዃን ክቕድም” ከምዘተሓሳሰቡ ይገልጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.