2012-07-03 15:07:00

መክሲኮ


ኣብ መክሲኮ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ እቲ ነታ ሃገር ንዓሰርተ ኽልተ ዓመት ዝመርሐ ናይ ፖሊቲካዊ ውድብ ብሔራዊ ተግባር በቲ ነታ ሃገር ካብ 1929 ዓ.ም. ክሳብ 2000 ዓ.ም. ዝመረሐ ውድብ ሰውራዊ ቅዋም ብዝለዓለ ድምጺ ከምዝተሳዕረ እንክንገር፣ ናይቲ ወድብ ሰውራ ቅዋም መራሒ ኤንሪከ ፐኛ ኒየቶ ናይ መክሲኮ ርእሰ ብሔር ከምዝኾኑን፣ እዚ ስዒሩ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ውድብ፣ ነታ ሃገር ኣብ ዝመራሓሉ ልዕሊ ሰብዓ ዓመታት RealAudioMP3 ምልካውን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝጥሕስን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዘውርዶ ጸቕጥን ምግሃስ ነጻነትን መሰልን፣ ኣብታ ሃገር ኣብቲ እዋን ተባሪዑ ንዝነበረ ጸረ መንግሥቲ ዝቖመ ኣብ ድሮ ዓለም ሓቆፍ ውድድር ኦሎምፒክ ኣብ መክሲኮ 1968 ዓ.ም. ኣብ ኣደባባይ ትረ ኩልቱረ ዝተኻየደ ናይ ተመሃሮ ናዕቢ ብሓይሊ ዝዓፈነን፣ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ንጹርን ዘይንጹርን ታሪኽ ዘለዎ ፖሊቲካዊ ውድብ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይቲ ዓፋንን ምልካውን ስርዓት ተመክሮ ዘለዎ ሕዝቢ መክሲኮ ተመሊሱ ነዓኡ ክመርጽ ዝደረኾ ምኽንያት ብዝምልከት ብዙሕ ትንተና ይቐርብ እውን እንተሃለወ፣ ሕዝቢ በቲ ንዓሰርተ ክልተ ዓመት ንመክሲኮ ዝመርሐ ናይ ፖሊቲካ ሰልፍን ኣመራርሓን ከምኡ እውን በቲ ናይዚ ናይ ፖሊቲካ ውድብ መራሕን ርእሰ ብሔር ካልደሮን ኣመራርሓን ምሕደራን ከይዲ ፖለቲካን ብዙሕ ከምዘይተሓጎሰን፣ ትጽቢታቱ ስለ ዝተኻሕደ እዩ ዝብል እቲ ዝዕብልል ትንተና ኮይኑ ብሰፊሕ ዝግለጽ ዘሎ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ናይ ካልደሮን መንግስቲ ምርግጋጽ ጸጥታን ድሕነትን ምጥፋእ ንድግ ኣደንዛዚ እጸዋትን ናይ ገበን ጉጅለታትን ኣንቀሳቐስቲ ኣደንዛዚ እጸዋትን ምግባረ ብልሽውናን ብናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ደጋፍ እንተዘይኮይኑ ገና መፍትሒ ዘይረኽበ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ንምፍታሕ ኣብ ዝብሉ ኣገደስቲን ሕጽጹን መደባት ግቡእን ብቑዕን መልሲ ከምዘይሃበ እዩ ዝንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.